home ዜና ጽድቅ ሠናይ ዜና(1ይ ክፋል)

ሠናይ ዜና(1ይ ክፋል)

 ካብ ትርጒሙ ክንብገስ (1ይ ክፋል)

√ “ዜና ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧” ዝብል ሕቶ ተዝለዓል፣ ዓይነታት ዜና ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር መልሱስ ኲሉ ሳዕ “እወ” ምኾነ። ነገራት ደቂ ሰባት ዳርጋ ኲላቶም ክትብል ትደፍር፣ ውጽኢት ናይቶም ዝስምዑ ዜናታት’ዮም። ዜና ኣብ መንፈሳዊ ህልውናን ናብራን ደቂ ሰባት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ዜና ንውድቀት ይኹን ንትንሳኢ ዓቢ ሚና’ዩ ዝጻወት። ማለት ኲላቶም ሰናይ ግብራት፣ ውጽኢት ናይቲ ሰናይ ዜና ክኾኑ እንከለዉ፣ እኩያት ግብራት ድማ ውጽኢት ናይቶም እኩይ ዜናታት ኢዮም። እዚ ግን ኣእዛን ደቂ ሰባት ንምስማዕ እኲይ ይኹን ንሰናይ ምሉእ ስልጣን ከምዘለውን ክዝንጋዕ ዘየብሉ ነገር’ዩ። ብፍላይ ስነ-ልቦና ናይ ክርስቲያን ብመንገዲ ዜና ኣቢሎም ናብ ልቦንኡ ብዝፍነዉዎ ነገራት፡ ኣብ እግዚኣብሔር ንዘለዎ ቅርበት ወይ ርሕቀት ዓብይይ እጃም ኣለዎ ዜና።

 

√ “ዜና” ዝብል ቃል ቅዱሳን መጽሓፍትና ክትርጉምልና እንከለዉ፡ ካብ ዜነወ ዝብል ግእዛዊ ሰርወ ግስ ዝወጸ ኰይኑ፡ “ሓበረ፡ ነገረ፡ ኣበሰረ” ዝብሉ ዝርዝራውያን ትርጉማት ይሕዝ።

(መዝገበ ቃላት ተመልከት)። ዜና ብመስመር ናይ ወዲ-ሰብ ለባውነት ኣቢሉ ዝመሓላለፍ እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ጠቓምነቱ ዝምልከት ግን ስፍሩን ኲነተ-ሰማዕቱን ኣዝዩ ወሳኒ’ዩ። ስፍሪ ናይቲ ዜና ኣብ ኣእዛን ደቂ ሰባት ብፍላይ ኣብ መንፈሳውያን ኣእዛን ማዕረ ክንደይ’ዩ ኣገዳሲ፧ እተን ዝሰምዓኣ ኣእዛንከ ኣብ ከመይ ኲነታት ኣለዋ፧ ንዝብል መንፈሳዊ ስነ-መጐት መልሲ ክረክብ ኣዝዩ ኣገዳሲ’ዩ።

     ተራ ዜና ኣብ መንፈሳውነት

 √ ኣብ ነገረ ቅድስና፡ ዜና ኲሉ ግዜ ኣብ ኣገልግሎተ በረኸት’ዩ ዝውዕል። “ሰናይ ዜና ኣበሲሮም!” ኢልና ከም ዓበይቲ ኣብነታውያን ጠቒስና እንሕበነሎም መንፈሳውያን ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ኣሰር’ቲ ዘበሰርዎን ዝሰበኽዎን ዜናታት ንመዋእላት እንከይሃሰሰ እናሻዕ ክዂላዕ’ዩ ዝነብር። ንባዕላ ርትዕት ሃይማኖተ ክርስትና ብብስራተ ዜና’ዩ ተሰሪቱን ጸኒዑን ዝነብር። እቶም እናሻዕ ተወሊዶም ዝፈርዩ ኣማንያትን ብስብከትነት ናይ ቤተክርስቲያን ተሳሒቦም ክመጹ ክንከለዉ፡ እቶም ኣማንያንውን መንፈሳዊ ዜና ቤተክርስቲያን ንእምነቶምን ክርስቲያናዊ ስነ-ምግባሮምን ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይኾኖም። ሮሜ6፥19፡ ሮሜ10፥14-20

√ በዚ እምበኣር ብዙሓት ኣእዛን ተባርኸንን ይባረኻ ኣለዋን። ኣዳም ቅድሚ ናብ ፍጡር ኴኑ ምስ ተፈጥሮ ምጽንባሩ፡ ክብሩን ዕብየቱ መታን ክፍለጥ እግዚኣብሔር፡ ነቶም ናይቲ ሽዑ እዋን ተፈጢሮም ናይ ምስማዕ ጸጋ ዝነበሮም ቅዱሳን መላእክት ከበስሮም ነይርዎ። “ንግበር ሰብአ በአምሳሌነ ወበአርአያነ!! ዘፍ1፥26” በለ። እዚ ብስራት’ዚ ከኣ ንመንፈሳውነት ናይ ቅዱሳን መላእክት ኣብ ስራሕ እግዚኣብሔር ዓብይ ህንጡይነትን ተስፋን ከምህልዎም ኮነ።  ስለዚ ድማ ሰብ መልክዕ ኣምላኽ ክሕዝ ከምዘለዎ ንቅዱሳን መላእክት ኣበሰሮም እሞ፡ እቲ ዜና ክንዮ’ቲ “ካብ 100 ነገድ ጐዲልና!” ዝብል ዝነበረ ስክፍታታቶም ኣብቂዑስ፡ “ንፈጣሪና ዝመስል ፍጡር ክንርኢ ማለት ድዩ!” ኢሎም ንስራሕ ፈጣሪኦም ብልዑል

ኣግረሙ ከምዘመስግንዎ ኰኑ። ኣዳም ምስ ተፈጥረ ድማ፡ ንፈጣሪኦም ዓቢ ኣምልኾ ንኣዳም ከኣ ዓቢ ክብሪ ሃቡ። ኢዮ38፥7

√ እግዚኣብሔር ንሰብ ምስ ፈጠሮ’ውን ንኣምላኻዊ ስልጣኑ ከዘኻኽሮ ዝኽእል “ካብ ኲሉ’ዚ ተቐሪብልካ ዘሎ ብላዕ፡ ካብዛ ኦም’ዚኣ ግን ከይትበልዕ!” ብምባል ኣምላኻዊ ትእዛዙ ዝሓዘለ ፍቕራዊ ዜና ነገሮ። ኣዳም ድማ በዚ ንሸውዓተ ዓመታት ተጠቃሚ ኴኑ ብቅድስና ክነብር ከኣለ።

ዘፍ2፥16-17፡ ኩፋሌ4፥1.

ምስ ኣበሰውን እንተኾነ በታ ሰናይን ርቱዓውን ዜና እትህብ ልሳኑ ገይሩ እግዚኣብሔር፡ “ኦ ኣዳም ኣበይ ኣለኻ፡ ተነሳሕ፡ ተንስእ፡ ኣይጭክነልካን’የ፡ ካብ ጓልጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ’የ፡ ናባይ ተመለስ፡ ኣነውን ናባኻ ክምለስ’የ!!” እናበለ ካብ ንኣዳም ጀሚሩ ክሳብ ንዂላቶም ደቂ ሰባት ተስፋን ተኣማንነቱን እናሃበ ክነብር ጸነሐ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ብመንገዲ ቅዱስ ገብሪኤል መልኣኽ ገይሩ እቲ ናይ ኲነኔ ዘመን ከምዘብቀዐ ኣበሰረና።

ዘፍ3፥9፡ ዘካ1፥3፡ ቀሌ3 ሉቃ1፥26-28

√ ቅዱሳን ብግዴኦም ፍቓድ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ ደቂ ሰባት መታን ክከናወን፡ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ንምሉእ ዓለም ሰቢኾምን ምሂሮምን ይምህሩ ኣለዉን። እዚ ነቲ ዘጋጥሞም መንፈሳዊ ተጻብኦን ተጻይ ዜናን ኣብ ግምት ዘይኣቱ ኣይኰነን። ዕላማ እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ መእምናን እንታይ’ዩ እንተተባሂሉ፡ ሰናይ ዜና ሰሚዖም ልቦናኦም ክባረኽ፡ ሓሳባቶም ብመንፈሳውነት ክትርንዕ፡ ኣምልኾኦም ብቃላቱ ክጸንዕ፡ ነቀይ-ነቀይ ዝብላ ኣእጋሮም ኣብ ፍቃደ እግዚኣብሔር ክጽግዓ’ዩ፡ ብፍትወተ ስጋ እንኖ ነፍሲ ወድሰብ ብሰማያዊ ሓሳባት ክትምላእ፡ ምድራውነት ኣብቂዑ ምሉእ መንፈሳውነት ኣባና መታን ክነግስ’ዩ ዕላምኡ።

1ቆሮ10፣22፥ ቈላ3፥3-8

 

 ንዘይጥዑም-ዜና መን ማዕጾ ኣርሓወሉ፧

√ እግዚኣብሔር ንሰብ ናጻ ፍቓድ ስለዝመጠወሉ፡ ሰብ ብፍላይ ድማ ክርስቲያን ብገዛእ ሓላፍነቱ ክፉእ ዜና ክፍኑ ይኹን ክሰምዕ ኣይእግሞን’ዩ። ከምቲ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ዝሕብርዎ፡ ኢድ እግዚኣብሔር ኣብተን ንክፍኣት ዝልዓላ ልሳናት  ንፍርዲ ዝርግሕቲ’ያ። እዚ ድማ ባዕሉ ፈጣሪ፡ “ሕማቕ ዜና ኣበስሩ፡ ክፉእ ግበሩ፡ ጽልእልን ናዕብን ዘልዕል ቃላት ፈንዉ፡ ንምፍልላይን ምብትታንን ዝቕስቅሱ ዜናታት ኣብ ልቢ ሰብ ዝርኡ…” ኢሉ ፈጺሙ ኣዚዙ ስለዘይፈልጥ’ዩ፡ ባሕሪኡ’ውን ኣይኮነን።እቲ ክፉእ ዜና እተበስር ልሳን ዘላቶ ሰብ፡ ናይዚ ኲሉ ዕዳ፡ ልሳኑ ብሓላፍነታ ክትዕደዮ’ያ። እታ ክፉእ ዜና ንምስማዕ እትህወኽ ልቢ’ውን ካብኡ ብዘይንእስ መልክዑ፡ ነቲ ንክፉእን ሰይጣናውን ነገራት ኣብ ልቦናኣ ንክከናወን ዝገበረቶ ተሃንድዶ፡ ሓላፍነት እትወስደሉ ባዕላ’ያ። መክ12፣14

እዚ በረኸት ዝሓዘለ ዜና ምንጩ ካብቲ ብባሕሪኡ በረኸት ዝኾነ እግዚኣብሔር ስለዝኾነ ዕላምኡ ንበረኸት’ዩ። ኲፉእ ዜና ግን ዕላምኡን ምንጩን ወትሩ  ካብ ክፍኣትን ንኽፍኣትን’ዩ። እቲ ዘገርም ስራሕ እግዚኣብሔር ግን እግዚኣብሔር በታ ኲሉ እትኽእል ኣምላኻዊት ኢዱ ገይሩ፡ ልቦና ወዲ-ሰብ ንክፉእ ይኹን ንሰናይ ዜና ብገዛእ ስልጣና ማዕጾኣ ክትከፍት ወይ ክትዓጹ ምሉእ ፍቓደኝነት ብምሃቡ ኢዩ። ያዕ3፥8-10

እግዚኣብሔር ኣምላኽ ሰናይ በረኸት ዘለዎ ዜና ንምስማዕ ዝህንጠያ ኣእዛን ክዕድለና፡ ልቦናና ብበረኸቱ ክመልኦ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን።

ይቕጽል…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *