home ዜና ጽድቅ ረቂቕ ድምጺ እግዚኣብሔር ብመቓልሕ ተሰሚዑ!

ረቂቕ ድምጺ እግዚኣብሔር ብመቓልሕ ተሰሚዑ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!!

ኣብ ታሪኽ ደቂ-ሰባት እግዚኣንሔር ዘየብሉ ትውልዲ ተራእዩ ኣይፈልጥን’ዩ። ትውልዲ ዘየኽበርዎ ኣምላኽ፡ ትውልዲ ዘይተኣዘዝዎ እግዚኣብሔር ግን ኣሎ። እግዚኣብሔር ዘይነበረሉ ዘመን የለን፡ ደቂ ሰባት ዘይነበርሉ ዘመን ግን መሊኡ። እግዚኣብሔር ዝተጋገየሉ ዘመን እረ፡ ሓንቲ ማይክሮ-ሰከንድ’ውን እንተዂነ ኣይትርከብን’ያ፡ ሰባት ዘይተጋገዩላ ሰከንድ ግን ፈጺምካ የላን። ደቂ ሰባት ኣብ ኲሉ ዘመኖም ይብድሉ፡ እግዚኣብሔር ድማ ኣብ ኲሉ ዘመኖም ካብ ምሒር ለውሃቱ ዝተላዕለ ጻውዒቱ ብሕሹኽታ የስምዕ። እግዚኣብሔር ቀጥታዊ ርክቡ ምስ ሕልና ስለዝኾነ፡ ልቢ እትሰምዖ ዓይነት ጻውዒት ገይሩ ኢዩ ዝደሀ። ሰብ ንሰብ ከስምዕ ዓቕሚ ስለዘየብሉ ዓው ኢሉ’ዩ ዝጽውዕ። እግዚኣብሔር ግን ንሰብ ከመይ ገይርካ ከምተስምዖ ይፈልጥ’ዩ፡፡ ብድምጺ ኣልቦ፡ ልቢ ጥራይ ክትሰምዖ ብእትኽእል ዓይነት ድምጺ ይጥቀም፡፡ ካልኦት ብዛዕባ ስምዒታት ልብና፡ ንሕና እንተዘይነጊርናዮም ክፈልጡ ስለዘይክእሉ፡ “እስከ ንገሩና እንታይ’ዩ ዝስመዓኩም ዘሎ፧” ኢሎም ይሓቱና። ንሱ ግን ብናይ ልብና ሕሹኽታ ገይሩ የንብበና። 

ስለዚ ድማ ልብና ምስኡ ምህላዋን ዘይምህላዋን ንክፈልጥ ካልኦት ክነግርዎ ኣየጣይቕን። ሰብ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዝነግርዎ ሰባት የድልይዎ፡ እግዚኣብሔር ግን ገና ሰባት ክነግርዎ እንከይጀመሩ ብዛዕባና ፈሊጡ ይጸንሕ። ከምዘይፈለጠ ኴኑ ግን መን እንታይ ገይሩ ክፈልጥ ከምዝመስል ናብ ማዕጾ ልብና ይመጽእ። ልብና ንክረጋጋእ በይንና ዘይምዃንና ንከረድኣና ወትሩ ቃሉን ንቃሉ ዝነገሩን ይሰደልና፡፡ ብሓንቲ ኣዝያ ንእሽቶ-ቀሸም በትሪ ገይሩ፡ ነቲ ቀምበይበይ ዝበል ሰፊሕ ባሕሪ ኣብ ክልተ ክመቅል፡ ነቲ ትርኑዕ ከውሕ ድማ ብሓንቲ ቀጣን በትሪ ጨዲዱ ማይ ከፈልፍል ዘይእግሞ እግዚኣብሔር፡ ኣብ ኣፍ ደገ ልብና እንክበጽዕ ግን፡ ማዕጾ ልብና ሰይሩ ንከይኣቱ ትብዓት ይስእን። ንልብና ክዕምጾን ደፊኡ ክኸፍቶን ዘይደሊ ኣምላኽ፡ ግን ከም ኣዝዩ ዘደንግጽ ኴኑ ይክሕኲሕ። ሽዑኡ ብጻውዒት እግዚኣብሔር ዝተምበርከኸት ልቢ፡ ንከይትኸፍቶ ሓይሊ ካልኦት ኣይውጥጣን’ዩ። ድምጺ እግዚኣብሔር ዘሕሾኽሾኻ ሕልና፡ ንዓውታ ካልኦት ኣይክትሰምዖን’ያ። ሰብ ካብ ሰብ እንተተሓቢኡ ንምርካቡ ጋዶ’ዩ፡ ሕሹኽታዊ ድምጺ እግዚኣብሔር ግን፡ ነቲ ኣብ ጣሻ ሓጣውእ ዝተሓበአ ሰብ’ውን እተዀነ፡ “ኣብዚ’ለኹ!” ኢሉ ባዕሉ ስለዘገዛእ ርእሱ ከምዝለፋለፍ ይገብር።

“ኣዳም ኣበይ ኣለኻ፧ (ዘፍ3፥9)

“ከም ሰብኣይ ኴንካ ሕቔኻ ተዓጠቕ፡ ኣነ ክሓተካ እየ፡ ንስኻውን መልሰለይ።” (ኢዩ38፣3)

“ኲልኹም ኣሕዛብ፡ ኣቱም ኣብ ዓለም እትነብሩ ዂልኹም፡ ሕሱራትን ኩቡራትን፡ ሃብታማትን ድኻታትን ኃቢርኩም ጽን በሉ።” (መዝ49፥1-2)

ሰባት ስለሓጢኣት ካልኦት ከዘንትዉ እንከለዉ ወሳሲኾም ይዛረቡ፡ እግዚኣብሔር ንደቂ ሰባት ብዛዕባ ሓጢኣቶም ክነግሮም እንከሎ ግን ገዳዲሩ’ዩ ዝነግረና። ኣቤት እግዚኣብሔር፡ ንዂሉ ሓጣውእና ሓንቲ ከየትረፍካ እንተትነግረናስ፡ ኣየንቲ ብርኪ ኾን ተቢዓ ክትቆውም ምኸኣለት፧ ኣየነይቲ ልቢኸ ትብዓት ምረኸበት! ለካ እቲ መጠን ኣልቦ ዝኾነ ርህራሔኡ ነቲ እሳታዊ ዝኾነ ቁጥዓኣኡ ስለዝጋርዶ’ዩ፡ ጨሪሱ ዘየጥፍኣና!! እምበር ምሕረትን ቁጥዓን እግዚኣብሔርሲ ክልቲኣተን ገንዘቡ ባሕሪኡ’የን፡፡ ንዓና ግን ዝያዳ ምሕረቱ ከምትሰማማዓና ገበረ፡ ብሓጢኣትና ንክንነብዕን ኣብ ምሕረቱ ክንውከልን ገይሩ መደበና።

“ኣምላኽ ግና ንሕዝቡ መሓሮም፥ ኣበሳኦም ኃደገሎም፥ ኣየጥፍኦምን፥ ንዂራኡ ብዙኅ ጊዜ መለሶ፥ ንዂሉ ቚጥዓኡ ድማ ኣይደርጒሖን።” (መዝ78፣38)

ብሓጢኣት ዘስቈርቈረ ሰብ ክጸናናዕ እንተዀይኑ፡ መጀመርያ ሓጥእ ምዃኑ ይተኣመን። ድሕሪኡ ኴዱ ይነሳሕ፡ ብንስሓ ክሕጸብ እንከሎ ግን፡ ሓጻቢኡ ምሕረት ኣምላኽ ምዃኑ ክኣምን የድሊ። እወ፡ ዝምሕረናስ ብዝሒ ጣዕሳና ንምሕረቱ ተደራዲሩ ስለዝዕዪሮ ኣይኮነን። እምኣረከስ፡ ግድን ምጥዓስ፡ ምንስሕ፡ ብሓጢኣትካ ምስቊርቋር፡ ምሕረት እግዚኣብሔር ምልማን ከድሊ’ዩ፡ ጣዕሳኻ ንኣምላኽ ከምትእውዶ ክሳብ ዘምስለካ ግን ክኸውን የብሉን፡ ምኽንያቱ ኣብ ሀብተ-ምሕረቱ እንእውዳ ዋላ ሓንቲ ነገረ የላን። ንሕናስ ንሱ ይእውደና እምበር፡ ንሕና ኣይንእውዶን። ብናቱ ምኽንያት ተፈጢርና ንነብር ኣለና እምበር፡ ብናትና ምኽንያት ኣይኮነን ጸኒሑን ዝነብርን ዘሎ። ንሱ ከም ንህሉ ገይሩና፡ ንሕና ግን ንእውዶ ነገር የብልናን። በንጻሩ ድማ “እግዚኣብሔር ክቚጠዓኒ’ዩ፡ ከመይ ኢለ ደኣ ኣብ ቅድሚኡ ክረአ፡ ንቊጥዓኡኸ ከመይ ክጻወሮ ይኽእል!” ኢልና ኣድህቦና ኣብ ቊጠዓ ኣምላኽ ጥራይ ንከየሰላስል፡ ቊጠዓኡ ልዕሊ’ቲ እንጽበዮ ምዃኑ ከረድኣና ክብል ንስንባደና ዘንህር ቁንጣሮ ተግሳጽ ይሰድድ። ቊጥዓ ኣምላኽ ክንድቲ ንሕና ንግምቶ ኣይኮነን፡ እረ ክንዕዪሮ እንተኸኣልና’ውን ሕልናና ክበጽሖ ዓቕሚ የብሉን። ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት፡ ሓደ “ብዜይካይ ኣምላኽ የለን!” ኢሉ ዘግቧዕብዕ ዝነበረ ፈርዖን፡ መወዳእትኡ ግን ጽንጽያን (ገዘፍቲ ሃመማን) ኣንበጣን ቊርዖብን ክመልክዎ ጀሚሮም። ዝብል ጽሑፍ ኣሎ። “ድላየይ ካብ ምግባር ዝኽልክለኒ የለን!” ዝብል ዝነበረ ቤልሻጽር፡ ሓንቲ ቅንጣብ ጒንቦ ኢድ ኣብ መንደቕ ተቐልቂላ ድምጺ ብዘየብሉ ጽሑፍ ከተንበርክኾ ክኢላ። ዝብል ድማ ኣብ ካልእ ጽሑፍ ነንብብ።

“ነቲ ሓያል ፈርዖን ጽንጽያ (ገዘፍቲ ሃመማ) ኣምበርከኽዎ።” (ዘጽ8፣25-28)

“ነቲ ገዛእ ርእሱ ልዕሊ ኣምላኽ ዝገብራ ዝነበረ ፈርዖን ኣምበጣ መለኽዎ።” (ዘጽ10፥16)

“ኃያል ንጉስ፡ ብቊርዖብ ጃጂዩ።” (ዘጽ8፣8)

“እቲ መን ከማይ በሃሊ ንጉስ ቤልሻጽር፡ ኣብ መንደቕ ዝተቐልቀለት ጉንቦ ብፍርሒ ከምዘንቀጥቅጥ ገይራቶ።” (ዳኒ5፥5-7)

ናይ’ዚ ኲሉ ኣዛዚ እግዚኣብሔር’ዩ፡ ዕላምኡ ድማ፡ በቲ ሓደ ወገን ንደቂ ሰባት ሓጢኣዮልቶምን ድኻሞምን ንምንጋር’ዩ፡፡ በቲ ካልእ ወገም ድማ ቊጥዓኡ ኣእምሮና ክምጥኖ ከምዘይክእል ንከረድኣና ኢሉ’ዩ። እምበርከ ንሕና እንጽበዮ ንኣቶሚካዊን ኒክለራውን ቦምብ ዝዳረግ ሓይሊ ሒዙ ክሳብ ዝመጻና’ዩ፡ ንሱ ግና ብኣዚና እንንዕቆም ነገራት ገይሩ ክስዕረና ከምዝኽእል የርእየና።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ብንስሓ ተሓጺብና ቅዱስ ስጋኡን ክቡር ደሙን ተቐቢልና ወረስቲ መንግስቱ ይግበረና!!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *