home ዜና ጽድቅ ስውርቲ ልሳነ-እግዚኣብሔር!!

ስውርቲ ልሳነ-እግዚኣብሔር!!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!

እግዚኣብሔር በታ ስውርቲ ልሳኑ ገይሩ ብዘሎ ዓይነት ቋንቋታት ንክሰብኽ ዘይእግሞ ክንሱ፡ ልሳን ካባና ካብ ፍጡራቱ ይልቃሕሞ ብኣኣ ገይሩ ንዓና ይሰብከና። ኲሉ ዝኽእል ክንሱ፡ ብንሕና እንኽሎ ቋንቋ ገይሩ ይምህረና። ልሳን ዘይሰኣኖ ክንሱ፡ “ልሳን’ባ ኲኑኒ!” ኢሉ ንደቂ ሰባት ይልምኖም። ክእዝዞምኮ ይኽእል ነይሩ’፡፡ ግን ሓይሊ ንኸይጥቀም ናጻ ፍቓደኝነት ናይ ደቂ ሰባት ይኽልክሎ። ታሪኽ ደቂ ሰባት እንተተመልኪትናዮ፡ ንሐድሕዶም ብዛዕባ ድሌታትን ፍቓድን ፈጣሪኦም ንምፍላጥ፡ ብልሳናቶምን ቋንቊኦምን ገይሮም ዝተመሃሃርሉ ዘመን ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ። እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ብዛዕባ ባሕሪኡን ፍቓዱን ንከፋልጦም፡ ብናይ ፍጡራቱ ልሳንነት ገይሩ ይትርኸሎም። እዚ ከኣ፡ ደቂ ሰባት ብቋንቈኦም ገይሩ ስለዝምህሮም “ድንግርግር ኢሉና!” ኢሎም ከመኻንዩ ኣይከኣሎምን’ዩ። ልሳን ፍጡራቱ ንሰባኽነት ክጥቀመሉ ዝተገደደሉ ምኽንያት፡ እግዚኣብሔር ኣብኣቶም ዘለዎ ሓልዮም ካብ ዝተበገሰ ደኣምበር፡ ልሳን ስለዝተሓረሞ፡ ወይውን ኣመራጺታት ስለዘየብሉ ኣይኮነን። እረ ኣብ ገለ-ገሊኡ ትውልድታትሲ፡ ስነ-ልቦና ደቂ ሰባት ብልበ ደንዳናነት ኣብ ዝበሓተሉ ቅጽበታት፡ ብግኡዛት ወይ ድማ ብቋንቋ ኣልባ ዝዀኑ ፍጥረታት ገይሩ ዝሰበኸሉ ኣጋጣሚታት ኣዝዩ ብዙሕ’ዩ።

“ንኣዳም ኣብ ሰማይ ተሰዊሩ ብቋንቋ ኣዳም ገይሪ ተደሃዮ።” (ዘፍ3፣9)

“ንነብይ ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ገይሩ መሃሮ።” (ዮና5፥10)

እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ደቂ ሰባት ንልሳናቶም “ናትካ ተለኣኣኺን  ፍቓድካ ዘከናውንን ክኾውን ኣይንህብን ኢና።” ስለዝብልዎ ኢዩ። እወ “ሰብነትና ነቲ ሓቀኛ ምስልኻ ዘንጸባርቕ ምስሊ ኴኑ ንኻልኦት ክረኣዮም፡ ብዛዕባኻ ክሰብኮም ኣይንፈቅን፡ ድማ ፍቓድና ብፍቓድካ ክግዛእ ዘይኮነስ፡ ንስኻ ብፍቓድና ክትግዛእ ኢና ንደሊ!” ብምባል ስለዝጓንይዎ’ዩ። ወይ’ውን በንጻሩ፡ እቶም እዙዛት ዝመስሉ ሳኦላዊ ጠባይ ዘለዎም ደቁ፡ “ንሕና ናትካ ስለዝኾንና ከም ድላይካ ገይርካ ተጠቐመልና” በሃልቲ ይመስሉሞ፡- ብኩውንነቶም ግን ክጥብርዎ ተዘይኰይኑ፡ ፈጺሞም ከድምዑ ስለዘይተኻእሎም፡ ፈጣሪ ንልሳኑ ኣብ ግኡዛን ፍጥረታት ሰዊሩ ብዓውታ ክሰብኽ ይጅምር።

“ሰማያት ሰበኽቲ  ክብሩን ህልውንኡን’ዮም።” (መዝ19፥1)

“ንጉስ ሳኦል ብእሺ ጀሚሩ፡ ብእምቢታ ደምደሞ።” (1ሳሚ 9፥17፡ 1ሳሚ 15፣26)

እግዚኣብሔር በቲ ኲሉ ዝኽእል ባሕሪኡ፡ ብገዛእ ልሳኑ ክስብኽ ዝኽእል ኣምላኽ ክንሱ፡ ንግኡዛን ፍጥረታት ልሳን ንክኾንዎ ይጽውዖም። በልዓም ሰንኪ’ቲ ተሪር ልቡ፡ እታ ቋንቋ ዘየብላ እንሲሳ ብቋንቋ በልዓም ገይራ ኣንፈት ዋንኣ ጠምዘዘት። ትረት ለበ ቀያፋውያን ልዕሊ ምሒር ስለዝተረረ፡ እቶም ተረርቲ ደንጎላታት ቢታንያ፡ ድሮ ልምሉማት ልቢ ኣጥርዮም ብቃላት ደቂ ሰባት ክጭድሩን ክሰብኩን ጀመሩ። ኣብዚ እነሆለ ክህለቱ!!

“እግዚኣብሔር ነታ ኣድጊ ከም እትዛረብ ገበራ!” (ዘኅ 22፥28)

“ኣብ ግዜ ሆሳእና፡ መላእክትን ሕጻናትን ሓቢሮም ዘመሩ፡ ጽሓይ ኣሽከርከረት፡ ኣኻውሕ ቢታንያ ከኣ ብልሳን ደቂ ሰባት ገይሮም ንፈጣሪኦም ኣመስገኑ።” (ተኣምረ-ኢየሱስ 78)

እጂ’ውን እንተኾነ፡ እግዚኣብሔር ልሳኑ ኣብቶም ንሱ ዝፈጠሮም ግኡዛን ፍጡራቱ ደቢቑ፡ ነቶም ኣዝዩ ዘፍቅሮም ደቂ ሰባት ካብ ምስባኽ ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። ነኣብነት እዚ ዘለናዮ ቅንያት፡  ጥበብን ሰባኽነትን እግዚኣብሔር ንከነስተንትን ዝደፋፍኣና ዓቢ መድረኽ’ዩ። ካብዚ እዋንዚ ዝበልጽ ካልእ ዕድል፡ ብዛዕባ እግዚኣብሔርነቱን ፍቓዱን ኣባና ዘለዎ ሓልዮትን፡ ከነሰላስለሉ እንኽል ዕድላት ዘሎ ኣይመስልን። ደቂ ሰባት ካብ ፍቕሩን ሑቕፉን ኣዝዮም ስለዝረሓቑ፡ በኣዝዩ ደቂቕን በየዒይንቶም ክርእይዎ ብዘይክእሉን ፍጡር ገይሩ ይሰብኮም ኣሎ። ኣብ’ዚ ጐሊሑ ክረአ ዝግበኦ ርእሰ ጉዳይ፡ ኣባና ኣብ ደቂ ሰባት ብፍላይ ከኣ ኣብ’ቶም ኣብ መንግስቱ ተስፋ ዘለዎም ደቁ፡ ዘለዎ ልዑል ሓልዮት’ዩ። 

ደቂ ሰባት ክሕጐሱ እንከለዉ፡ እግዚኣብሔር ኣብደስታኦም ተረኺቡ ብዛዕባ ኣመጻጽኣ ኀሴታኦምን ደስታኦምን ይሰብኮም፡፡ ሽዑኡ እቲ ዝወነንዎ ኃሴታት ንእግዚኣብሔር ዘሐዝን ኴኑ ከይርከብ ክጥንቀቑ ይሕግዞም። ብሓዘንን ጓህን ወይ ድማ ብፌራን ሕማምን እንክብህርሩ ድማ፡ ከም ተባዕ ሰባኺ ኴኑ ኣብ መንጐኦም ተረኺቡ ንልባቶም የረጋግኦ፡፡ ሽዑኡ እቲ ኣብኣቶም ዝተፈነወ ሓዘንን ሰቈቋን፡ ካብ ፈሊጥነት እግዚኣብሔር ኣምሊጡ ዝመጾም መሲሉ ምከይረኣዮም ይሕግዞም’ሞ፡ ከም’ቲ ኣብ ሕቚፊ ኣዲኡ ሃዲኡ ዝድቅስ ሕጻን ኴኖም ኣብ ፍቋዱ ሟሚቖም ይድቅሱ።

“መንገድና ንተዓዘብን ንመርምርን እሞ፡ ናብ እግዚኣብሔር ንመለስ!” (ደ.ኤርምያስ 3፥40)

ኲላቶም ፍጥረት ኣምላኽ መጽሓፍቲ ኴኖም ይንበቡሞ ስለፈጣሪኦም ይነግሩና፡፡ ከም ልሳኑ ኴኖም’ውን ስለዘገልግልዎ ኣብ ዘዝኸድናዮ መምጺኦም ይሰብኩና። 

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብምሕረቱ ይመሓረና፡ ካብ መዓቱ ድማ ይሰውረና፡፡

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *