home ዕቅበተ እምነት ቅዱስ ተውፊት

ቅዱስ ተውፊት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

1ይ-ክፋል

ሰዋስዋዊ ትርጉሙ ምስ ንምልከት፡ ትውፊት ማለት ምቅብባል፡ ምውርራስን ምትሕልላፍን ማለት እዩ። ሃይማኖታዊ ትርጉሙ ግን ካብ ቅዱሳን ኣበው እናወረደን እናተዋራረድን ካብ ዘመን ናብ ዘመን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተሰጋገረ ዝመጽእን ዘሎን ዝነብርን ኦርቶዶክሳዊ ውርሻ ኦርቶዶክሳውያን ኣበው እዩ። ልክዕ ከም ኣብ ቛንቛ ትግርኛ፡ ስያሜን ትርጉሙን ብካልኦት ልሳናት ምስ እንርኢ’ውን ክልቲኦም ትርጉማት፡ ስዋስዋውን መንፈሳውን፣ ነጺሮም ንረኽቦም። ብልሳን ጽርኢ ፓራዶሲስ(Paradosis) ይብሃል። እዚ ሓደ ነገር ካብ ኢድ ናብ ኢድ ምርካብን ምትሕልላፍን ዝብል ትርጉም ኣለዎ። ዕብራውያን ድማ ምቕባልን(ገቢር) ምቕባልን(ኣግብሮ) ዝብል ትርጉም ዘለዎም ማሳር(Masar) ከምኡ’ውን ቂባል(Qibbel) ዝብሉ ቃላት ይጥቀሙ።

ብመሰረት ትምህርቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን፣ ትውፊት ማለት ምእመናን፣ ሕልና ደቂ ሰባት ክበጽሖ ክሳዕ ዝኽእል፣ ስለ እግዚኣብሔርን እምነተ እግዚኣብሔርን ዘይኩነታዊ መንፈሳዊ ሓቂ ክህልዎምን ብቃልን ብትግባርን ኦርቶዶክሳዊ መንፈሳዊ ሕይወት ክመርሑ፣ እግዚኣብሔር ብቅዱሳን ኣበው ነብያት፡ ሓዋርያት፡ ሊቃውንት ብጹኣን ጳጳሳት፡ ሊቃውንት ካህናትን ዘመሓላለፎን ዘመሓላልፍን ሕይወት ዘውህብ ትምህቲ ማለት እዩ። እዚ ትርጉም እዚ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብቃል ጥራሕ ዘይኮነ፣ ኣብ ስርዓተ ኣምልኾታ’ውን ጎሊሑ ዝርኤ መንፈሳዊ ሓቂ እዩ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ኣገልግሎት ሥርዓተ ቅዳሴ እንተ ተመልኪትና፣ ገባሬ ሰናይ ካህን “ነዋ ወንጌለ መንግሥት” ብምባል ወንጌል ንንፍቀ ካህን ምስ ሃቦ፣ ንፍቀ ካህን’ውን ብግዲኡ “መንግሥቶ ወጽድቆ ዘአወፈየኒ አወፈይኩከ” እናበለ ንገባሬ ሰናይ ድያቆን ይህቦ። እዚ ምሳሌ እዩ። ምሳሌነቱ ድማ ብስራት ወንጌል ካብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቦታትና ቅዱሳን ሓዋርያት፣ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ናብ ስዩማን ክህናት እናተሰጋገረ ክሳዕ ዕለተ ምጽኣት ከም ዝነብር ዘርኢ ምስጢራዊ ትርጉም ኣለዎ።

ኣብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳት ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኣስራወ መጽሓፍቲ ማእከላይ ቦታ ኣለዎም። እንተ ኮነ ኣስራወ መጽሓፍቲ ብዘይ ቅዱስ ትውፊት ብገዛእ ርእሶም ጥራይ ምሉኣት ኣይኮኑን። ነዚ ድማ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብኣጽንዖ ትኣምኖን ትእመኖን። እዚ ድማ ንባዕሉ ንመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ብምግባር እዩ። ኣብ ወንጌል ዮሃንስ፣ “ኢየሱስ ዝገበሮ ግብሪ ድማ ብዙሕ ካልእ አሎ። ኵሉ በብሓደ ተጽሒፉ እንተ ዚኸውንሲ፡ ነቲ እተጻሕፈ መጻሕፍቲ ዅላ እዛ ዓለም እኳ ኣይምኣኸሎን ይመስለኒ”(ዮው21:25)፣ ዘሎ ህያው ቃል ድማ ነዚ የረጋግጸልና። ስለዚ ትውፊት ብዛዕባ ነገረ እግዚኣብሔር፡ ነገረ ክርስቶስ፡ ነገረ ድሕነት፡ ነገረ መላእኽቲን ካልእን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይተጻሕፉ ትምህርትታት ብትሕዝቶን መንፈስን ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይቃረን ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን መንፈሳዊ ኃብቲ እዩ። በዚ መንጽር መጽሓፍ ቅዱስን ቅዱስ ትውፊትን ተተኻኻእቲ ዘይኮኑ ተመለላእቲ ከም ዝኾኑ ንግንዘብ። እዚ ምምልላእ እዚ ግን ልዕሊ ትሕዝቶኣዊ ምምልላእ ዝኸይድ እዩ። ኣብ ዝተፈላለየ ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ዝተጻሕፉ ታሪኻት ድልድል ኮይኑ ዘራኽብን ዘተዓርቕን ውን ቅዱስ ትውፊት እዩ። ንኣብነት ኣብ 2ይጢሞ 3:8 ዘሎ ታሪኽ
እንተ ተመልኪትና፣ ኣብዚ ኢያኔስን እያንብሬስን ዝተባህሉ ጠንቆልቲ ንሙሴ ከም ዝተቛወምዎ ንርዳእ። እዚ ነቲ ኣብ ዘጽ 7:12 ተጻሒፉ ንዘሎ ፍጻሜ ዘመልክት እዩ። እንተ ኾነ ኣስማት ናይዞም ጠንቆልቲ ብዘይካ ኣብ 2ይጢሞ2:8፣ ኣብቲ
ዘጽ 7:12 ኮነ ኣብ ዝኾነ ናይ ኦሪት ኮነ ናይ ሓድሽ ኪዳን መጽሓፍቲ ኣይንረኽቦን ኢና። እሞ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ድኣ ኣስማቶም ካበይ ረኸቦ ዝብል ሕቶ ከነልዕል ግድን ይኸውን። እቲ መልሲ ድማ ኣስማቶም ብትውፊት እናወረደን እናተዋራረደን ኣብ ቅዱስ ጳውሎስ ስለ ዝበጽሐ እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን በቲ “መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ”(Sola Scriptura) ዝብል ቀስቲ ሉተራዊ ስነ ሓሳብ ተወጊእና ካብ ደንበ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ዝወጻእናን ማዕተብና ዝበተኽናን ውሑዳት ኣይኮናን። እዚ ግን ስፍሓት ትምህርቲ ካብ ዘይምርዳኣን መጽሓፍ ቅዱስ ፡ ንቅዱስ ትውፊት መሰረት ኮይኑ፡ ትውፊት ድማ ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሰፍሕን ዘብርህን ዘረድእን ምዃኑ ክንግንዘብ እግዚኣብሔር ዓይነ ልቡናና ይኽፈተልና።

ብመሰረት ትምህርቲ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን፣ ጽሕፈት ዝተጀመረ ብሄኖክ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ ኣብ ክልቲኡ ኪዳናት ትምህርቲ ብጽሑፍ ዘይኮነ ብቃልን ብትግባርን እዩ ዝምሓላለፍ ኔሩ። መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ኣብ 1476 ዓመተ ዓለም፡ መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን ድማ 50 ዓመተ ምሕረት እዮም ክጽሓፉ ጀሚሮም። ካብዚ እንርድኦ ድማ እምነትን ስርዓተ ኣምልኾን፣ ቅድሚ ብጽሑፍ ብቃል ይምሓላለፍ ከም ዝነበረ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና “እምብኣርሲ እምነት ካብ ምስማዕ እያ፡ ምስማዕውን ብቓል ክርስቶስ እዩ” (ሮሜ 10:17) ኢላ እናምሃረት ኣገዳስነት ቅዱስ ትውፊት ኣጉሊሓ ተርእየና። ኣብ መወዳእታ ካብዚ ኣብ ቀዲሙ ዘሎ ሕጡቡ ጽሑፍ ንምሃሮ እንተ ኣሎ ኮይኑ፣ ቅዱስ ትውፊት ቅድሚ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረን መሰረት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝኾነን እዩ። ኣብ ዝቕጽል ትምህርትና ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታት ብዛዕባ ቅድመ መጽሓፍ ህላዌ ቅዱስ ትውፊትን ጥቕምታት ቅዱስ ትውፊትን ክንርኢ ኢና።

ነዚ ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ብግቡእ ተረዲእና፣ ኣብ ሰማያት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ምድሪ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ሕይወትና ብቅድስና ክንመርሕ፥ ቅቡልን ብርሃናዊ መንፈሳዊ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር ብምሕረቱ፡ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ድማ ብጸለቶም ይደግፉና።

2ይ ክፋል ይቅጽል . . .
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *