home Uncategorized ትምህርተ አበው/Patrology/

ትምህርተ አበው/Patrology/

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ትምህርተ አበው ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ዝነበርዎ እዋናዊ ኩነታትን ምስኡ ዝዛመዱ ሓሳባትን ዝገልጽ ክኸውን ከሎ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን ብግቡእ ንምርዳእ ዘኽእል ዓሚቕ ትምህርቲ ዝሓዘ እዩ። ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት፥

  • ሕይወቶም
  • ትምህርቶም`
  • ሥርሖምን
  • ዝነበሮም እዋናዊ ኩነታት ዝጽንዓሉ ናይ ነገረ መለኮት ሓደ ክፋል እዩ።

እዞም ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት ብፍላይ ከኣ ካብ መጀመርታ ክሳዕ ሻዱሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ዘመን ዘይስዕሮ ናይ ሕይወት ገድሎምን ክሳዕ ሰማዕትነት ዝጸንዐ ሕይወቶምን ዝፍለጡ እዮም። እዚ ክርስቲያናዊ ሕይወቶምን ሥርሖምን ከኣ ናይ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሓሳብን መርገጺን ፈሊና ንኽንርዳእ ዓቢይ ደገፍ ዝገብር እዩ። ሥርሖም ክንርእዮ ከለና ናይ ሃይማኖት ትምህርቲ ዕብየት፣ ምስ መናፍቓን ተኸራኺሮም ዘሕፈሩሉ ጽኑዕ ሃይማኖታዊ መርትዖን ካልኦት ጠቐምቲ ዝኾኑ ናይ ሕይወት ትምህርቲ ንመሃረሉ እዩ።

እዚ ትምህርቲ ንቤተክርስቲያን ሃይማኖታዊ ውሳኔታትን ቀኖናን መበገሲ ዝኾኑ ታሪኻዊ ኩነታት ንምድህሳስ ዘኽእለና ስለ ዝኾነ መስርዑ ሓልዮ ክግለጽ፣ ክጽናዕ፣ ክምርመር ዝግባእ እዩ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኣካል ናይታ ቅድስትን ንጽህትን ዝዀነት፣ ሰብነት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እያ። እዚ ማለት፣ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ብቀጥታ ምስ ቅዱሳን ሓዋርያትን፣ ምስ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ፣ ርኽብ ዘለዋ ጥንታዊት ቤተ ክርስቲያን እያ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነታ ቅድስት እምነት ሓንሳብን ንሓዋሩን ናብ ቅዱሳን ሓዋርያቱ ኣረኺብዎም። ቅዱሳን ሓዋርያት ከኣ፣ ነዚ እምነት እዚ፣ ነቶም ዝሰዓብዎምን ዝተክእዎምን ቅዱሳን ኣሰጋጊሮምዎ እዮም። ከምኡ እንዳበለ፣ እቲ ቅድም ዝነበረ ወለዶ፣ ነቲ ዝተቐበሎ እምነት ከይወሰኸን ከየጉደለን፣ ናብቲ ዝቕጽል ወለዶ ብምስግጋር፣ ናባና ከም ዝበጽሕ ገበሩ። ስለዚ እዛ ንሕና ንነብረላ ዘሎና ሃይማኖት፣ ጐይታ ንደቀ መዛሙርቱ ዘዉረሶምን፣ ብሓዋርያዊ ሰንሰልትን ብቅዱስ ምዉርራስን፣ ናባና ዝበጽሐት እያ። ቅዱሳን ሓዋርያት እንተ ዘይነብሩን፣ ኣሰር ኣሰሮም ዝሰዓቡ ቅዱሳን ኣቦታት ዉን እንተ ዘይትክኡ፤ ኣብዚ ሕጂ እዋን ”ርቱዕ፡ ቅዱስን፡ ዘይተቀየረ ኦርቶዶክሳዊ እምነት” ናባና ክበጽሕ ኣይምኸኣለን፤ ናይዚ ዓቢ በረኸት ተኻፈልቲ ዉን ኣይምኾንናን።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ካብ ምውታን ምስ ተንሥአ፣ ብክብሪ ናይ ትንሣኤ፣ ንቅዱሳን ሓዋርያት ተገልጸሎም፣ ”ሽዑ ነተን ጽሑፋት ኬስተውዕልወን፡ ኣእምሮኦም ከፈተሎም/ሉቃ 2445/። ጐይታ ዝሓረዮም ቅዱሳን ሓዋርያት፣ ኣብ በዓለ ኃምሳ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፣ ኣብ ኢየሩሳሌም፡ይሁዳ፡ ሰማርያን፡ ክሳዕ ኣጽናፍ ዓለም፣ ወንጌል መንግሥቲ ኣምላኽ ሰበኹ። እቶም ዝኣመኑ ድማ፣ ”ብትምህርቲ ሓዋርያትን ብኅብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ። . . .ኣብ ኲሉ ሕዝቢ ኸኣ ዕድል

ነበሮም። እግዚአብሔር ድማ ዚድኅኑ ኣብ ጸጽባሕ ናብታ ቤተ ክርስቲያን ይውስኽ ነበረ።/ግብ.ሓዋ 242,47/። ብኸምዚ ኣገባብ ድማ፣ ኣብ ዘመነ ሓዋርያት ወንጌል ኣብ ኲሉ ኲርንዓት፣ ክሳብ ጫፍ ዓለም ተዘርግሐ።

ከምቲ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገብሮ ዝነበረ፣ ቅዱሳን ሓዋርያት ዉን ከምቲ ዝተማህርዎ ኣገልግሎት ይፍጽሙ ነበሩ። ኣገልግሎቶም ልክዕ ከም ናይ ጐይታ ኣገልግሎት ነበረ። ድኅነት ንዂሉ ሰብ ብማዕረ ከም ዝባጻሕ እናገብሩ ወንጌል ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ኩሉ ይምህሩ ነበሩ። ኲሉ ሰብ ካብ ክፋእ መገዱ ተመሊሱ፣በታ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝመሥረታ ሃይማኖትን ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ክነብሩ፣ ንዂሎም ናብ ንስሓ ይዕድሙ ነበሩ። ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ጐይታ፡ መድኅን፡ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ፣ ተስፋ ዝተነብረሉ መሲሕ ከም ዝኾነ፣ ንኩሉ ሕዝቢ የእምኑን ይሰብኩን ነበሩ። ”እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚአብሔር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስምየሱስ ክርስቶስ ንኅድገት ኃጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም።/ግብ.ሓዋ 23839/

ቅዱስ ጴጥሮስ ወንጌል ንዂሉ ሕዝቢ ምስ ሰበኸ፣ ኣብ ሓደ መዓልቲን ሓንቲ ስብከትን ፫ ሽሕ(3 ሽሕ) ነፍሳት ኣብ በዓለ ኃምሳ ከም ዝኣምኑ ጌርዎም እዩ። ኣቦታትና ቅዱሳን ሓዋርያት፣ በቲ ኣብኦም ሓዲሩ ዝነበረ ውህብቶን ኃይሊ መንፈስ ቅዱስን፣ ኣገልግሎቶም ይፍጽሙ ነበሩ። ”እቶም ሽዑ ዘረባኡ ባህ ኢልዎም እተቐበሉ ተጠምቁ። በታ መዓልቲ እቲኣ ኣስታት ሠለስተ ሽሕ ነፍሳት ናብታ ቤተ ክርስቲያን ተወሰኻ።/ግብ.ሓዋ 241/

ኣቦታትና ቅዱሳን ሓዋርያት፣ ቃል ኣምላኽ ክምህሩ እንከለዉ፣ ኣብ ክልተ መፍለዪ ነጥቢታት መሠረት ዝገበረ ነበረ። ቀዳማይ ወንጌል መንግሥቲ ኣምላኽ ኣብ ኲሉ ምስባኽ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ፣ ሥርዓተ ምሥጢራተ ቤተ ክርስቲያን ማለት፣ ጥምቀትን ቅዱስ ቁርባንን እዩ። ነብያት፡ መምሃራን፡ ሰባክያን፣ ኲሎም ሰብ ጥበብን፣ ’ቤተ ክርስቲያንን ኣገልግሎታን ንኲሉ ሰብ’ ከም ዝዀነ ኣጽኒዖም ይምህሩ ኔሮም።

በዚ መሠረት ድማ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ቅዱሳን ሓዋርያት ሓዲሩ ዓይዪን፣ ሕጂ ዉን ኣብቶም ኣሰሮም ስዒቦም ዝተክእዎም ቅዱሳን ኣቦታት፣ ንዕቤትን ንምስፍሕፋሕ ወንጌልን ቤተ ክርስቲያንን፣ ይዓዪ ኣሎ። ሓዋርያዊ ዝሠረቱ ትዉፊት ኮይኑ፣ ዕዮ ኣምላኽ ይቕጽል ኣሎ። ሓዋርያዊ ትዉፊት ማለት፣ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ዘሎ ዕዮ መንፈስ ቅዱስ፣ ብዘይ ምቁራጽ ክሳብ ሕጂ ክዓዪ እንከሎ ዘረድእ እዩ። እዚ ማለት ካብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝቀጸለ ተግባር ኮይኑ፣ ኲሉ ብእግዚአብሔር ኣሚኑ ብምጽናዕ፣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ብዘይ ምቁራጽ፣ መንፈስ ቅዱስ ዕዮኡ ክፍጽም፣ ምንብርካኽን ምምራኽን እዩ። ”ንስኻ ግና ካብ እንመን ከም እተመሃርካ ፈሊጥካ፡ ነተን ካብ ቍልዕነትካ ጀሚርካ ብእምነት ብክርስቶስየሱስ ንምድኃን ኬለብማኻ ዚኽእላ ቅዱሳት ጽሑፋት ፈሊጥካ፡ በቲ እተምሃርካዮን እተረዳእካዮን ጽናዕ።/2 ጢሞ 314/ እቲ ኣብ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ መንፈስ፣ ደሓር ዉን ኣብ ቅዱሳን ሓዋርያት ዝሓደረ ኮይኑ፣ ናብቶም ዝተክእዎምን ዝሰዓብዎም ኣመንቲን መንራሕቲን ዝቀጸለን እዩ። ብካልእ ኣዘራርባ፣ መንፈስ ቅዱስ ክሳብ ሕጂ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ተግባሩ ኣየቋረጸን።

ኣቦታትና ንብሎም መን እዮም

ፓትሮሎጂ (Patrology) ማለት፣ ካብ ክልተ ቃላት ዝተወስደ ኮይኑ፣ ፓትረ (Patre) ኣቦ ፣ ሎጂ ድማመጽናዕቲ ማለት እዩ። ነቶም ቅድሜና ዝነበሩ ቅዱሳን ኣቦታት፣ ትምህርቶም ሕይወቶምን ጽሑፋቶምን ምጽናዕ፣ ምምርማር ምምሃር ማለት እዩ። ነዚ ቃል ብምልኣት ዝገልጽ፣ ፍሉይ ናይ ትግርኛ ቃላት የብልናን። ”ሃይማኖተ አበው፣ ትምህርተ አበው/እምነት ኣቦታት/” ዝብል ስያሜ ግን ብኲሉ ነገራቱ ክትክኦ ይኽእል። ወይ ዉን ነገረአበዉ ክንብሎ ንኽእል።

ኣቦ” ዝብል ቃል፣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ነቦታትና ኣብራሃም፡ ይስሓቅን፡ ያዕቆብን ዝተዋህበ ዓቢይ ናይ ኣክብሮት ስም እዩ። ኣብ ሓድሽ ኪዳን ክንመጽእ እንከለና፣ ”ኣቦ” ዝብል ስያሜ፣ ንመምሃራንን ሰበኽትን ተዋሂቡ ንረኽቦ። ”ብክርስቶስ ኣእላፋት መዕበይቲ እኳ እንተ ኣለዉኹም፡ ኣነ ብክርስቶስየሱስ ብወንጌል ወሊደኩም እየ እሞ፡ ብዙኃት ኣቦታትሲ የብልኩምን።/1 ቆሮ 415/ ብመገዲ ትምህርቶምን ስብከቶምን ኣቢሎም፣ ብመንፈሳዊ መገዲ ዉሉድ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ስለዝወለዱ፣ ”ኣቦታት” ተባሂሎም።

ካብ 130-200 ዓመተ ምሕረት ጳጳስ ናይ ልዮንስ ዝነበረ ቅዱስ ሄሬኔዎስ፣ ነቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝነበሩ መምሃራን ”ኣቦ” እናበለ ይጽውዖም ነይሩ። ብዛዕባ ቅዱስ ፖሊካርፐስ ክዛረብ እንከሎ፣ ”ፊደላት ዝመሃረኒ ንሱ እዩ፣ ኣነ ዉላዱ ኰንኩ፣ ንሱ ዉን ኣቦይ ኮነኒ” ይብል። ”ኣቦ” ዝብል ስም ንብጹዓን ጳጳሳት ውን ዝወሃብ እዩ። እዚ ከኣ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ንጥቀመሉ ኮይኑ፣ ንቅዱስ ፓትሪያሪክን ንብጹዓን ጳጳሳትን ’ኣቦታትና’፣ ወይ ዉን ’አቡነ” እናበልና ንጽዉዖም ኣለና። ድሕሪ ግዜ ግና፣ እዚ ኣጸዋዉዓ ናብቶም ዓበይቲ ሊቃዉንቲውን ከም መጸውዒ ዝውቱር ክኸውን ጀመረ። ብፍላይ፣ ነቶም ብትምህርቶምን ብጽሑፋቶምን የዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ’ጳጳሳት ኣዕማድ’ ኮይኖም፣ ንእምነት፡ ዶግማን ሥርዓትን ቤተ ክርስቲያን ከም ዝጸንዕ ዝገበሩ ኣቦታት፣ ክንጥቀመሉ ጀመርና። እዞም ኣቦታት በዚ ስም ንኽጽውዑ ግድን ጵጵስና ወይ ፓትሪያሪክ ክዀኑ ኣለዎም ዝብል ሕጊ የለን፣ ንኣብነት ቅዱስ ጄሮም፣ ”ኣቦ” ተባሂሎም ካብ ዝጽውዑ ሓደ እኳ እንተ ኾነ ጳጳስ ግን ኣይነበረን።

ትምህርተ አበው (ፓትሮሎጂ/Patrology) ማለት፣ ካብ ቅዱስ ልደት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጀሚሩ፣ ብዘመነ ሓዋርያትን ክሳብ ሻዱሻይ ክፈለ ዘመን ዝነበሩ ኣቦታት፣ ሕይወቶም፡ ትምህርቶምን፡ ጽሑፋቶምን ምጽናዕን ምምርማርን እዩ። ነገረኣበዉ ዝብል ጽሑፋት ንፈለማ ግዜ ክጽሕፍ ዝጀመረ፣ ኣቦና ቅዱስ ጄሮም እዩ። ቅዱስ አውሳብዮስ ዘቂሳርያ ካብ ዝጸሓፎ ’ታሪክ ቤተ ክርስቲያን’ ዝብል መጽሓፍ መወክሲ ብምግባር ”ሕይወት ፍሉጣት ኣቦታት” ዝብል መጽሓም ደሪሱ።

ትምህርተ ኣበዉ፣ ትምህርቲ፣ገድሊ፣መንፈሳዊ ሕይወት ዘጠቃለለ እዩ። ኲሎም ሊቃዉንቲ ኣቦታት፡ መነኮሳት ገዳማዉያን ኣቦታትን ባሕታዉያንን ኣብ ዉሽጢ እዚ ዝተጠርነፉ እዮም። ነዞም ”ናይ ቤተ ክርስቲያን ኣቦታት” ተባሂሎም ዝጽውዑ ዘመሳስሎም ነገራት ብዙኅ እኳ እንተ ኾነ ዝተወሰነ ቀጺልና ክንገልጽ፥

  1. ብዛዕባ እምነት ቅድስት ሥላሴ፣ ነገረክርስቶስን፣ ነገረድኅነትን ምሥጢራትን ዝሓዘለ ሓቀኛ ትምህርቲ ምምሃሮም

  2. ናይ ቅድስናን ብፅእናን ዝመልኦ ናይ ጽድቂ ሕይወት ዘለዎም ብምዃኖም፣ ”ኻብዘን ንኣሽቱ ትእዛዛት እናገበረ ዚምህር ንሱ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ዓብዪ ኺበሀል እዩ/ማቴ 519/

  3. ቤተ ክርስቲያን ”ኣቦታት” ኢላ ዝተቐበለቶም ስለ ዝኾኑ።

  4. ኣብተን ቀዳሞት 600 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ እንተ ኮይኖም እዩ።

ብመሠረት እምነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኣብያተ ክርስቲያን (ኤርትራ ኣርሜንያ፡ ግብጺ፡ ኢትዮጵያ፡ ህንዲን ሶርያን)፣ ንጉባኤ ኬልቄዶን (451 .)መዛዘሚ (መፈጸምታ)ዘመነ ኣበዉ ክትብሎ እንከላ። እቶም ናይ ምብራቅ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያን ግና ክሳብ 7 ክፍለ ዘመን ዘለዉ ኣቦታት ዉን የእትዉዎም እዮም። ብመሠረት ታሪክን ምስክርነት ብዙኃት መምሃራን፣ 45ን ክ/ዘ ”ወርቃዊ ዘመን ኣቦታት” ተባሂሉ ይግለጽ። ማለት ብዙኃት ኣቦታት ዝተራእይሉን፣ ዝፈረይሉን፣ ብዙኃት ጽሑፋት ዝተደርሰሉን ወርቃዊ ዘመናት እዮም።

ክፍሊ ኣቦታት

  1. ሓዋርያዉያን ኣቦታት፣ ብግእዝ ”ተላዊሆሙ ለሐዋርያት” ይበሃሉ /Apostolic Fathers/። ምስ ቅዱሳን ሓዋርያት ብቐጥታ ርክብ ዝነበሮም ኣቦታት ኲሎም ኣብዚ ምድብ ይኽፈሉ። ቅዱስ ቀሌምንጦስ ዘሮም፣ ኣግናጥዮስ ዘአንጾኪያ /ምጥው ለአንበሳ/፣ፖሊካርፐስ ዘሰርሚነስ፣ ሔርማስ፣ ፖፒያስ።

  2. ናይ ቤተ ክርስቲያን ተጣበቕቲ፥ ካብ መምለኽቲ ጣኦትን ኣይሁድን ንዝመጽእ ዝነበረ ወቀሳ፡ ጸርፊን፡ ሕቶን ዝምልሱ ዝነበሩ መምሃራን ናይ ቤተ ክርስቲያን ታጣበቕቲ ተባሂሎም ይጽውዑ። ሰማዕት ጀስቲን (ፈላስፋ)፡ ቅዱስ ኤሬኔዎስ ዘልዮንስ፡ ቅዱስ አብሊድስ ዘሮም፡ ቅዱስ ኣታናገራስ።

  3. ሊቃዉንቲ መምሃራን፣ ቅዱስ ቆጵርያኖስ ዘክርጣግና፡ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ፡ ቅዱስ ባሲልዮስ ዘቂሳርያ፡ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘእንዚናዙ፡ ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኑሲስ፡ ቅዱስ ሂላሪ ዘፖይትረ፡ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ፡ ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ፡ ቅዱስ ኣምብሮስ ዘሚላን፡ ቅዱስ ዮሓንስ ዘደማስቆ።

  4. ኣንጻር መናፍቃን ክቃለሱ መከራ ዝተቐበሉ፥ ቅዱስ ዲዮስቆሮስ፡ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾክያ።

  5. ገዳማዉያን ኣቦታት፣ ቅዱስ እንጦንዮስ ርእሰ መነኮሳት፡ ኣባ ጳዉሊ፡ ቅዱስ ጳኲሚስ፡ ኣባ መቃርዮስ ዓቢ፡ ቅዱስ ኤስድሮስ፡ ቅዱስ ሺኖዳ ባሕታዊ።

መብዛሕትኦም ኣቦታት ብቋንቋ ግሪክ ጽሑፋቶም ዝጸሓፉ እዮም። እቲ ዝገርም ግን፣ ኣርእስቲ ናይቲ መጽሓፍቲ ብላቲን ምግባሮም እዩ። ገለ ኣቦታት ቋንቋ ላቲን፣ ገሊኦም ድማ ቋንቋ ሶርያ፡ ኣርሜንያ ቅብጢ ይትቀሙ ነይሮም።

ብመሠረት እምነት ቤተ ክርስቲያንና ”ኣቦታት” ኢላ ካብ ዝተቀበለቶም ውሱናት ምጥቃስ ይከኣል፦

ካብቶም ምብራቅ ዘፍረየቶምን ብቋንቋ ግሪክ ዝጸሓፉ ኣቦታት

  1. ቅዱስ ኣትናቴዎስ ሓዋርያ፣ መበል 20 ጳጳስ ናይ እስክንድርያ

  2. ቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ ጳጳስ ናይ ቂሳርያ

  3. ቅዱስ ጎርጎርዮስ ነባቤ መለኮት ጳጳስ ናይ እንዚናዙ

  4. ቅዱስ ጎርጎርዮስ ሓዉ ንባሲልዮስ ጳጳስ ናይ ኑሲስ

  5. ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ጳጳስ ዘቁስጥንጢንያ

  6. ቅዱስ ቄርሎስ ዘእስክንድርያ

  7. ቅዱስ ዲዮስቆሮስ ዘእስክንድርያ

  8. ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾክያ

ካብቶም ምዕራብ ዘፍረየቶምን ብቋንቋ ላቲን ዝጸሓፉ ኣቦታት

  1. ቅዱስ ቆጵርያኖስ ዘክርጣግና

  2. ቅዱስ ሂላሪ ዘፖይትረ

  3. ቅዱስ ኣምብሮስ ዘሚላን

ከባቢ ሶርያ ዝነበሩን ብቋንቋ ሶርያ ዝጸሓፉ ኣቦታት

  1. ቅዱስ ኤፍሬም ሶሪያዊ

  2. ቅዱስ ያዕቆብ ዘስሩግ

                                               ………………ይቕጽል


2 thoughts on “ትምህርተ አበው/Patrology/

  1. ብጣዕሚ ጽቡቕ እዩ ኾይኑ ግን ናይ እዚ መቐጸልታ ክንረብ አይኸልናንሞ በይዛኹም ለአኹልና

Leave a Reply to semere Cancel reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *