home ዜና ጽድቅ ኣብ ሕቕፊ እግዚኣብሔር ዝሟሞቐት ነፍሲ!

ኣብ ሕቕፊ እግዚኣብሔር ዝሟሞቐት ነፍሲ!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!

ወዲ ሰብ ካብ ፍቕሪ እግዚኣብሔር እናረሓቐሉ ኣብ ዝመጻሉ ኪደት፡ ንሱ ግን እናቐረቦም ይመጽእ። ሰብ ካብ ሕቕፊ እግዚኣብሔር እንክሃድም ንሱ ግን ከይተሓለለ ወትሩ ዓው ኢሉ ይጽውዖም። ደቂ ሰባት ይሃድሙዎ፡ እግዚኣብሔር ከኣ ክሓቕፎምን ከም ደርሆ ንጨቃዊታ ክናብዮምን መዋእላት ይሓልፍ፡፡ እዚ ግዚያት’ዚ እምበኣር፡ እግዚኣብሔር ናብ ደቂ ሰባት ዝገበሮ ጉዕዞ ዘዘንቱ ዓቢ መምህረ ጽድቂ’ዩ፡ “ዘወረደ!!” ማለት ደቂ ሰባት እግዚኣብሔርነት ንምዃን ክመጣጠሩ ፈቲኖምሲ ኣይተኻእሎምን፡ በንጻሩ ካብ’ቲ ዝነበርዎ ንታሕቲ እረ ክሳብ ሲኦል ደኣ ወረዱ፡፡ ብድሕሪኡ’ውን ይትረፍ ኣምላኽ ንምዃን ክከኣሎምሲ፡ እቲ ዝነበሮም ክብሪ እኳ ክመልስዎ ኣይተኻእሎምን። እግዚኣብሔር ግን ብኣምላኻዊ ጥበቡ፡ ናብ ሰብ ክመጽእ፡ ሰብ ክኸውን ንሰብኣውነቶም ብዘይተውላጥ፡ ብምልኣታዊ ናይ ተዋህዶ ምሥጢር፡ ንሰብ ኣምላኽ ክገብሮ ፈተወ። ክንዮ ርሑቕ ተሰሲዳ ዝነበረት ነፍሲ ወዲ ሰብ፡ ኣብ ሑቕፊ ፈጣሪኣ ክትሟሙቕ ሰፊሕ ዕድል ተኽፍተላ።

ሉቃ19፥41-44፡ ዮሐ1፥10-12

ዘወረደ! እዚ ቅንያት’ዚ፡ ባሕርይ ፍጡርነትና ንፈጣሪያዊ ኣቦነቱ ዘይምጥኖ ዝነበረ፡ ደፊርና “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና!” ዝበልናሉ ዘመን’ዩ። ደጊም ሰብ ኣብ’ዛ ዓለም “ዘኽታም’የ!” ኢሉ ዘስቆርቊረሉ ምኽንያት የብሉን። “ብዕርቃን ዝሳቐ ጥሙይን ጽሙእን’የ” ዝብሉ ኣሻቐልቲ መዓጹ፡ እግዚኣብሔር ግን ነቲ ዕሩቕ ብሃይማኖት እትሽልም፡ ንርሁብ ብቅዱስ ስጋኡ እተዐንግል፡ ንጥሙይ ድማ ብክቡር ደሙ እተርዊ  ቤተክርስቲያን ኣዳለወ። 1ቆሮ11፥23-26

ዘይድልዱላት መሓዉር ንዝውንኑ ዕሸላት፡ ታተ ኢላ እተሳሊ፡ ሰማያት ዝንጠቕ ቅድስና ክህልዎም ንዝደልዩ ከኣ፡ “ንጽሐ ስጋ፡ ንጽሐ ነፍስ፡ ንጽሐ ልቦና!” ኢላ በብደረጅኦም ኣምሂራ ናብ መንግስቱ እተውርስ ንእሽቶ ቅድስት ኤምባሲ ኣብ ምድሪ ሰረተ እግዚኣብሔር። ምሉእን ሰፊሕን እግዚኣብሔር ኣብ ማእከል ደቂ ሰባት ኣትዩ ክሓቕፎም ፈተወ።

“ወሪዱ፡ ተጸኒሱ፡ ተወሊዱ፡ ተሰዲዱ፡ ተመሊሱ፡ ተማሂሩ፡ ተጠሚቑ፡ ተፈቲኑ፡ ተጸሪፉ፡ ተሸይጡ፡ ተኣሲሩ፡ ተገሪፉ፡ ተፈሪዱ፡ ተሰቒሉ፡ ሞይቱ ተገኒዙ፡ ተቐቢሩ…” ዝብሉ ኣፍራሕትን ንፈጣሪ ዘይምጥኑን ቃላት፡ ካብ ምሒር ፍቕሪ ሰባት ዝተላዕለ ብዘይነ-ግፈረግ ብኢድ’ዞም ፍጡራኑ ንዂለን ክፍጽመን ፈተወ። ሕልና ደቂ ሰባት ምኽንያት ገይሩ መታን ከይክሕዶ ድማ ብልጭታ ኣምላኽነቱ ጨሪሱ ኣይተኸወለን፡፡ እወ! ክወርድ እንከሎ ኣብ ሰማያት ነይሩ፡ ጽንሰቱ ዘይምርመር ኣምላኻዊ ጽንሰት’ዩ። ልደቱ ብሕቱም ድንግልና’ዩ፡ ኣብ ስደቱ ቊጽሪ ዘየብሎም ተኣምራት ተፈጺሚም፡ ኣብ ምምላሱ ንብዙሓት ስዱዳን መሊሱ፡ ከም ሕጻን እንክመሃር፡ ንብዙሓት ምሂሩ። እንክጥመቕ ምሥጢራዊ ሠለስትነቱን ሐድነቱን ገሊጹ፡ ንፈተንቱን-ጸረፍቱን ብትሕትናኑ ኣምበርኪኹ፡፡ ንሸያጢኡ ሰለስተ ዓመታት ብትዕግስቲ ምሂሩ፡፡ ንኣሰርቱን ገረፍቱን እረ ዋላ ንሰቐልቱ ከይተረፈ ይቕረ ኢሉ። ብሞቱ ሃገረ ምዉታን ዘሚቱ፡ ብግንዘቱ ንግኑዛን ፈቲሑ፡ ኣብ መቓብር ኴኑ ከኣ ብዙሓት ሬታታት ካብ መቓብሮም ወጺኦም ከምዝሰብኩ ገይሩ። እግዚኣብሔር ብሑቕፎኡ ማዕረ ክንድዚ ንደቂ ሰባት ከሟሙቖም ደለየ። ሰባት እዚ ዜና’ዚ እንክሰምዑ፡ ቅርበት እግዚኣብሔር ናብ ደቂ ሰባት ማዕረ ክንደይ ምዃኑ ክርድኡ ተኻእለ። ሮሜ8፥29-30፡ ኤፌ1፥4-5 

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኣብ ቤቱን ኣብ ፍቕሩን እትሕቆፍ ነፍሲ ይዓድለና።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *