ወደየ ንተግሣጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፣ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ።

(ምሳ 1፥8) በስመ ኣብ ወወልድ ወምነፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን! መጽሓፈ ምሳሌ ካብ መጽሓፍቲ ጥበበኛ፡ቅዱስ፡ ነቢይ፡ ንጉሥ ሰሎምን ሓደ እዩ። መጽሓፈ ምሳሌ ብምስላታት ናይ ሥነ ምግባርን እምነትን ትምህርቲ ዝህብ ቅዱስ መጽሓፍ እዩ።መብዛሕትኡ ብዝዓባ ኣብ ዕለታዊ መነባብሮና ዘጋጥሙና ነገራት እዩ ዝዛረብ። “ኣምልኾተ እግዚኣብሔር ካብ ኩሉ ዝዓበየ ፍልጠት እዩ”ብዝብል መዘኻኸሪ ድማ ይጅምር።ቀጺሉ ኸኣ ብዝዓባ ስነ ምግባራዊ ጥራይ …

ተመሊሰ ኽመጽእ እየ ፣

ናባይ ክወስደኩም እየ። (ዮሐ 14፥3) በስመ ኣብ ወወልድ ወምነፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ደብረ ዘይት ኣብ ዓቢይ ጾም ካብ ዘለዉ 8 ሰናብቲ 5ይ ሰንበት እዩ። ደብረ ዘይት ካብ ኢየሩሳሌም ንወገን ምብራቅ ዝርከብ ብኣውሊዕ ዝተኸበበ ስፍራ እዩ።እዚ ድማ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም መምህር ከተማ ክምህር ዊዒሉ፡ከም ባሕታዊ ድማ ናተይ ኢሉ ዝድቅሰሉ ስፍራ ስለ ዘይነበሮ፡ንሱን ሓዋርያትን ግልል …

ደጊምካ ኣይትበድል/ሊ !

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን! ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ መፍቀርቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን፡ ኩሎም ቅዱሳንን ከመይ ትኾኑ፧ ሰላም ክትህልዉ እናተመነና፣ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ኣብ ዘመነ ትስብዕቱ”ደጊምካ ኣይትበድል”ኢሉ ዝኃቦ ምኽሪ(ማዕዳ) መበገሲ ብምግባር እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ናባኹም ነብላ። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ! ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣቀማምራ ትማሊ፣ 4ይ …

ክትጾሙ ከሎኹም!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን! ዝኽበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተ ሰብ ከመይ ቀኒኹም ሰላም ክትህልዉ እናተመነና ጾምና ጾመ ስርየት ጸመ ድሕነት ጌሩ፣ ብሰላም ናብ ዕዶተ ሆሳዕናሁ ናብ ብርሃነ ትንሳኤኡ ከብጽሓን ናቱ ሰናይ ቅዱስ ፍቃድ ክኸውን እናተመነና፣ ክንጸውም ከለና ክንግብሮ ዝግብኣና፣ንኣጸዋውዓ ስሙ ክብርን ምሥጋናን ይኹኖ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ብመምህርነቱ ምሂሩ፡ብኣቦነቱ ድማ ከምዚ …

ነብሰ ፍትወት

ዘይተመንጭዎ ዓይነት ሓጢኣት የብላን።    (ቅዱስ መክሲሞስ)     በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን! ኣብ ባሕሬኡ ሞት፡ኣብ ንግስነቱ ስዕረት ዘይብሉ፡  ቅድሚ ንፋሳት ምንፋሶም፡ወሓይዝ ምፍሳሶም  ብባህሬኡ እናተመስገነ ዝነብር  ናይ ምሥጋና በዓል ቤት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ  ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ስግደትን ውዳሴ ንዘለኣለም ንዕኡ በይኖ ይኹን። ንድሕነትና ምኽንያት ዝኾነት ዝፋነ እግዚኣብሔር፣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ወዳ …

“ ኣነ ግን ኣነ ኣይኮንኩን”

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን! ኣውግስጢኖስ እግዚኣብሔር ዝብሃል  የለን እናበለ፣ጉዕዞ ሕይወቱ  ብፍትወተ ኣንስት  ዝተታሓዘ ንጽድቂ ዘይምችእ ሕይወት ነበሮ። እንተኾነ ግን ግዜኡ ኣኺሉ እግዚኣብሔር ክበጽሓካ ከሎ ትዕድልቲ እዩ። ኣውግስጢኖስ ስብከት ቅዱስ ጂሮም ሰሚዑ፡ልቦናኡ ብቃለ እግዚኣብሔር ሰይሩ፡ ስብርቲ ልቡ ብቃለ እግዚኣብሔር ዝጸገነ፣ ካብ ክሕደት ናብ እምነት፡ካብ ርኽሰት ናብ ንጽሕና  ተመሊሱ ገዳማዊ ህይወት ብምሕራይ(ምንኩስና) ክሳዕ …

“ኢትደዩ ባሕርየክሙ ማዕከለ ኣሕርዉ”     ኣብ ቅድሚ መፋልስ ዕንቁኹም ኣይተንብሩ ማቴ 7፡6

  በስመ ኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን! ብኣምላኽነቱ ፈጣሪ፡ ብመምህርነቱ መሃሪ፡ ብኣቦነቱ መኻሪ ዝኾነ ጎይታናን  መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ኣብ መዋእለ ስብከቱ፡ኣብ ዘመነ ትስብዕቱ ዝተዛርርቦ ኃይለ ቃል እዩ። ኩሉ መጽሓፍቲ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምንጩን፡ መደምደምታኡን መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ድማ  ካብ ቃል ዝበዝሕ ምሥጢር ይብዛሕ ብምባል ኣጻብዕቲ እግዚኣብሔር ኮይኖም ጽሒፎም፡ኣፍ እግዚኣብሔር ኮይኖም  ተዛሪቦም! ብምሥጢር፡ብምሳሌ፡ብምኽሪ፡ብመዓዳ፡ብተግሳጽ፡ብትምህርቲ …

ሠናይ ዜና(2ይ ክፋል)

  “ጽድቂ!”፡ ምስጢራዊ ገለጻኡ፡ “ጽድቂ!” ማለት ትኽክላዊ ትርጒሙ ንምርዳእ፡ ካብቲ “ጸድቀ” ዝብል ሰርወ ግሱ እንተድኣ ተበጊስና፡ “ሓቂ፡ርትዒ፡ ንጽሕና፡ ብጽእና…” ናብ ዝብሉ ኣምላኻውያን መብርሂታት ክወስደና ይኽእል። እዚ ድማ ባሕርይ ኣምላኽ” ጽድቂ’ዩ፡ ንሱ ሓቂ’ዩ፡ ባዕሉ’ውን ብባሕሪኡ ንጹሕ’ዩ፡” ዝብል መግለጺ ምስ ፈጣሪ ጥራይ ዝሰማማዕ ኣመለኻኽታ ስለዝኾነ’ዩ። ሰብ ወይ ካልእ ፍጡር ብካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ናይ ባርኾት ውህብቶ ተጠቂሙ ጻድቕ …

ሠናይ ዜና(1ይ ክፋል)

 ካብ ትርጒሙ ክንብገስ (1ይ ክፋል) √ “ዜና ሰሚዕካዶ ትፈልጥ፧” ዝብል ሕቶ ተዝለዓል፣ ዓይነታት ዜና ደኣ ይፈላለ ይኸውን እምበር መልሱስ ኲሉ ሳዕ “እወ” ምኾነ። ነገራት ደቂ ሰባት ዳርጋ ኲላቶም ክትብል ትደፍር፣ ውጽኢት ናይቶም ዝስምዑ ዜናታት’ዮም። ዜና ኣብ መንፈሳዊ ህልውናን ናብራን ደቂ ሰባት ዓቢ ኣስተዋጽኦ ኣለዎ። ዜና ንውድቀት ይኹን ንትንሳኢ ዓቢ ሚና’ዩ ዝጻወት። ማለት ኲላቶም ሰናይ ግብራት፣ …

ዶግማ (2ይ ክፋል)

ዶግማ ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ትምህርትና፣ ብዛዕባ እንታይነት እምነት ርኢና ኔርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ክፍለ ትምህርቲ ድማ ብብርኃንነት ናይቲ ኣብ ናሕሲ ሕልናና ዝተቀርጸ እምነት፣ ትግባራዊ ክርስቲያናዊ ህይወት ክህልና ብዛዕባ ዘኽእል ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣተዂርና ክንምኃሃር ኢና። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣዒንተ ልቦናና ኣብሪሁ ነንብቦ ንመንግስቱ መውረሲ ንኽብሩ መወደሲ ይግበረልና። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ ይኹነልና። ዶግማ ካብ ዶከይን(dokein) …