home ዜና ጽድቅ ሠናይ ዜና(2ይ ክፋል)

ሠናይ ዜና(2ይ ክፋል)

 

ጽድቂ!”፡ ምስጢራዊ ገለጻኡ፡
“ጽድቂ!” ማለት ትኽክላዊ ትርጒሙ ንምርዳእ፡ ካብቲ “ጸድቀ” ዝብል ሰርወ ግሱ እንተድኣ ተበጊስና፡ “ሓቂ፡ርትዒ፡ ንጽሕና፡ ብጽእና…” ናብ ዝብሉ ኣምላኻውያን መብርሂታት ክወስደና ይኽእል። እዚ ድማ ባሕርይ ኣምላኽ” ጽድቂ’ዩ፡ ንሱ ሓቂ’ዩ፡ ባዕሉ’ውን ብባሕሪኡ ንጹሕ’ዩ፡” ዝብል መግለጺ ምስ ፈጣሪ ጥራይ ዝሰማማዕ ኣመለኻኽታ ስለዝኾነ’ዩ። ሰብ ወይ ካልእ ፍጡር ብካብ ፈጣሪ ዝተዋህቦ ናይ ባርኾት ውህብቶ ተጠቂሙ ጻድቕ ክበሃል
ተዘይኮይኑ፡ ነዚ ናይ ኣምላኽ ንጹሐ-ጽድቂ’ዚ ከም ባሕሪኡ ገይሩ ክተኻኸሎ ዝኽእል ዋላ ሓደ ፍጡር የለን።
(ኢዮ32፥1-5፥ ኢዮ35፥2፥ ኢዮ40፥2 ጸሎት ሰለስቱ ደቂቅ1፥3-5)

+++ ኣደ ኣምላኽ ድንግል ማርያም ኣዴና እኳ’ቲ ዘለዋ ልዑል ንጹሐ ቅድስና፡ “ልዕሊ ፍጡራን፡ ትሕቲ ፈጣሪ” ተባሂላ ንኽትጽዋዕ ዘገደዳ ዋና ምኽንያት፡ ቅድሚኡ፥ ቅድሚ ፈጣሪ ስለዘይነበረትን ምንጪ ቅድስናኣን ጽድቃን ካብኡ ካብ ፈጣሪኣ ስለዝኾነን’ዩ እምበር፡ ብዘይካ ፈጣሪ ምስ ክብረ-ቅድስናኣ ዝመጣጠን ካልእ ኣካል ሃይልዩ ኣይኮነን።
ፈጣሪ ግን ኣቐዲሙ ኣብ ሕልንኡ ልዕሊ ኲሎም ፍጡራቱ ገይሩ ሓለናሞ፡ ዋላ ኣኳ ደቂ ሰባት ብሰንኪ ስንፍናኦም ዝሰዓበ ዓቢ ጣጣ እንተነበሮም እግዚኣብሔር ግን ብኣምላኻዊ ጥበቡ፡ ንድግል ኣዴኡ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ ባሕርይ ደቂ ሰባት ደቢቕዋ ድሕሪ ምጽናሕ፡-(መዝ132፥13፥ ኢሳ1፥9፥ ኢሳ7፥14)

+++ ንሳ ትግለጸሉ ግዜ ኣብ ዝኣኸለሉ እዋን፡ ኣብ’ቲ ንዑኡ ክትጸንሶ ኢሉ ዝሓሰቦ ምዱብ ዘመን፡ ንሱ ካብኣ ካብ ማሕጸና ብተዋሕዶተ ቃልን ስጋን ክግለጽ ሰናይ ፍቓዱ ኰነ። እምበኣረከስ ንሳን እቲ ካብኣ ዝተወስደ ስጋን ፍጹም ክነዓቕ ዘይግበኦ ጻድቕ ስጋ’ዩ፡ እቲ ምስ ስጋኣ ዝተዋሓሓደ መለኮቱ ድማ ብቐደሙ ፍጹም ጻድቕ’ዩ። ክልተ ንጹሓተ
ባሕይራት፡ ቃልን ስጋን ብምስጢረ ተዋሕዶ ሓደ ኮይኖም ኣብ ማሕጸነ ድንግል ተቐመሙ፡፡ በዚ ምኽንያት ከኣ ንሕና ደቂ ሰባት ንክንፍወስን መንግስቱ ክንወርስን ሰፊሕ ዕድል ተኸፍተልና።

(ሉቃ1፥28-38፥ ማቴ11፥28-30፥ ማቴ25፥34)

ጽድቂ እግዚኣብሔርን ጽድቂ ሰብን፧
√ናይ ሰብ ሓቅነት ፍጡራዊ’ዩ፡ ናይ ፈጣሪ ግን ፈጣሪያዊ፡
√ ናይ ሰብ ጽድቂ ውሱንን ካብ ናይ እግዚኣብሔር ማየ-ጽድቂ ተቐዲሑ ዝተጨለፈን’ዩ፡ እግዚኣብሔር ግን ብቅድሙ
ባሕሪኡ ጻድቕ፡ ንዘለኣለም ፈልፋሊ ጽድቂ’ዩ።
√ ሰብ ንጽድቁ ብምግባረ ሃይማኖት ተዘይኮይኑ ንቀጻልነቱ ብዝምልከት ውሕስነት ክህልዎ ኣይክእልን’ዩ፡
እግዚኣብሔር ግን “ጽድቀይ ቀጻልነት መታን ክህልዎ ናብ ካልእ ዘይተጸጋዕኩ” ኢሉ ስኽፍክፍ ኣይብሎን።

√ ሰብ ብምኽንያተ እግዚኣብሔር ይጸድቕ፡ እግዚኣብሔር ግና ብዘይዝኾነ ምኽያት ዘለኣለማዊ ጻድቕ ኰይኑ ይነብር።

√ እግዚኣብሔር ተዘይህሉ፡ ሰብን ጽድቂ ሰብን ብፍጹም ኣይምነበረን፡ ሰብ ኣብ ዘይነበረሉ ዘመናት ግና
እግዚኣብሔር ንዘለኣለም ብጽድቁ ይነብር ነበረ።
(ኢዮ9፣2-4፥ መዝ11፥7፥

ምንጪ ጽድቂ ካበይ’ዩ፧

ብመንፈሳውያን ቋንቋታትና ገይርና ብዛዕባ ጽድቂ ንሓድሕድና ክንዘራረብ እንከለና፡ “ጽድቅ፡ ጻድቅ፡
ጸዳቂ፡ኣጽዳቂ…” ንዝብሉ ግሳውያን ቃላት መሰረት ብምግባር ኢና እንጥቀመሎም፡፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ
“ብባሕሪኡ ጻድቕ፡ ኣቐዲሙ ብኣምላኻዊ ህልውናኡ ዝነበረን ዘሎን ምልኩ ንዘለኣለም ዝነብርን፡ ሓሲቡ ዝፈጥር፡
ኲላቶም ግብራቱ ኣቐዲሞም ኣብ ሕልንኡ ዝተሓለኑ፡ ንምግባራቱ ብዘይምውልዋል ዝፍጽሞም፡ ካብ ጥንቲ ተጋግዩ
ዘይፈልጥን ንዘለኣለም ሓቀኛን፡ እጹብ፡ ፍጹም ኣበር ዘይርከቦ ንጹሐ-ባሕርይ፡ ፍሉይ ቅዱስ፡ ኣብ ፍርዱ
ነግ-ፈረግ ዘይብልን ዘየዳሉን ርቱዕ ኣምላኽ መን’ዩ፧” ተባሂሉ ንዝሕተት ሕቶ መልሱ ብዘየማትእ መልክዑ
እግዚኣብሔር ጥራይ’ዩ ክኸውን ዘለዎ፡፡ ምኽንያታዊ መሰረት ናይዚ መረዳእታ’ዚ ድማ ብዂልንትናዊኡን ንኣምላኻዊ
ጽድቁን ዝዳረጎ ካልእ ኣካል ፈጺምካ ስለዘይርከብ’ዩ።” እዚ ክርስቲያናዊ ቋንቋዚ ካብቶም ዓበይቲ ዕጹባት ናይ ኣድናቖት ገለጻታት ኰይኖም፡ ንፈጣሪና ኣምልኾና እንገልጸሎም መንፈሳውያን ሓቅታት ዝሓዘሉ ቃላት’ዮም።(መዝገበ ቃላት፥ዘፍ1፥1፥ 1ዮሓ1፥1-4 ማቴ6፥13)

እዚ ዂሉ ጽድቁ ንዓና ንድኹማት ደቁ ከመይ ይኾነልና!

እቲ ዘገርም ግን ጽድቂ ናይ እግዚኣብሔር ኣብ በይኑ ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይክንሱ፡ ወትሩ ኣባና ብዘርእዮ ናይ
ርሕራሔኡ ልግሲ፡ “ጽድቀይ ከይውደኣኒ!” ኢሉ ኣብ ባሕሪኡ ኣይሻቐልን። ወይውን “ጽድቂ ክውስኸለይ ዝኽእል ኣካል
እንተሎ…፧” ኢሉ ተወሳኺ ጽድቂ ንምድላብ ናብ ካልእ ሃሰው-ሰው ዘይብል ብምዃኑ’ዩ። እዚ ድማ “ጽድቁ ፍጹም
ምሉእ በኲልሄ’ዩ፡” ኢልካ ንክትኣምን ዘነጽር ዓብይ መረዳእታ’ዩ።

(ሮሜ11፣33-35፥ መዝ50፣9-13)

ካብዚ ምልኣታዊ ጽድቅን ቅድስናኡን’ዚ ድማ ነዞም ኣዚና ድኹማትን ንሒደት እዋናት እኳ ክቕኒ ዝኽእል ጽድቂ
ዘየብልና፡ ንዓና ንኣዝዩ ዘፍቅረና ደቂ ሰባት፡ ካብ ብዝሒ ፍቕሩን መለኮታዊ ርሕራሔኡን ዝተለዓለ፡ ንሰባት
ብመንጽር’ቲ ኣብኡ ዘለዎም ተኣማንነትን፡ ዝጐዓዝዎ ክርስቲያናዊ ኪደትን፡ ክጸድቁን ተማቐልቲ ጽድቁ ክኾኑን፡
መንግስቱ ክወርሱ፡ ኣብ ሕቕፉ ንዘለኣለም ክነብሩ ብሰናይ ፍቓዱ ዓብይ ዕድል ከፈተሎም። በዚ መሰረት ከኣ “ጽድቂ
እግዚኣብሔር መጀመርያን መወዳእታን የብሉን” ንብልሞ፡ “ናይ ሰብ ጽድቂ ግን ጅማሬን ፍጻሜን ኣለዎ!” ኢልና
ንድምድም። ሰብ ባዕሉ ክህሉ ኣይክእልን’ዩ። ሰብ ማለት ብዘይዝኾነ ረዲኤት ባዕሉ ክነብር ዝኽእል ዘይኮነስ፡
ብዘይረዲኤተ-ፈጣሪ ዓቕሚ ኣልቦ፡ ኣቐዲሙ ዘይነበረ፡ ሕጂ’ውን እንተኾነ፡ ንሱ’ዚ ሰብ ብጥበብ ፈጣሪኡ ካብ ሓመድ
ዝተሰርሐ ሕያው ፍጥረት፡ ብስውርቲ ኢድ ኢድ እግዚኣብሔር ከኣ ዝንቀሳቐስ ፍጡር’ዩ፡፡ ጅማሬ ጽድቂ ሰብ ካብተን
ንሱ እግዚኣብሔር ዝምጥወልና ናይ በረኸት ልግስታቱ ኴይኑ፡ ፍጻሜኡ ድማ በቲ ክሓልፎ ዘለዎ ናይ ክርስትና ኪደት፡
ብሰንሰለታዊ ፍቓደ-እግዚኣብሔር ተማእዚኑን ተተሓሒዙን እናሻዕ ካብ ደረጃ ናብ ደረጃ እናማዕበለ፡ ናብ ምልኣት፡
ናብ ፍጽምና ናብ መንግስተ ሰማያት ናብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ዝዓዂኽ ጽድቂ ክውንን ብእግዚኣብሔር ዝተፈቒድሉ’ዩ
ሰብ።

(መዝ33፥12፥ 1ቆሮ11፥1፥ 2ቆሮ5፥1-5)

ስለዚ ሰብ ብፍቓደ-እግዚኣብሔር ተማእዚዙ ዝነብር እንተዀይኑ፡ ከም ሓንቲ ኣብ ገምገም ወሐይዝ ተተኺላ ቈጽላ
ከይነቐጸ፡ ዓመት ምሉእ እንዳፍረየት እትነብር ተኽሊ ኰይኑ ንዘለኣለም ኣብ ሕቕፊ ፈጣሪኡ ሟሚቑ ክነብር
ተፈቒድሉ’ዩ። ካብ ፍቓድ ፈጣሪኡ ናይ ሓንቲ ቋሕ-ሰም እንተድኣ ወጺኡ ግና ከም’ታ ኣብ ንቑጽ ቦታ ዝተተኽለት
ተኽሊ’ሞ፡ ኣቕጽልታ ብንፋስን ደርቅን ቀልጢፉ ነቒጹ ዝረግፍ ፍረን ህላወን ዘየብላ ኦም ኴይኑ’ዩ ዝተርፍ።

(መዝ1፥3፥ ዮሐ6፥53-58፣ ይሁ1፥3)

“ሰብ እንተጸደቐ ካብ ኣምላኹ ወሰደ፡ እንተሓጥአ ግን ፍቓድ ኣምላኹ ክሓደ!” ዝብል ምሳሌያዊ ገለጻ ብትኽክል
ንሰብ’ዩ ዝምጥን።

ሰዓብትን ገበርትን ጽድቁ ይግበረና እግዚኣብሔር!!

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር።

ይቕጽል…

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *