home ዜና ጽድቅ ድንቅነት ፍጥረታት ብዛዕባ ድንቅነት ፈጣሪኦም ይትርኹ!!

ድንቅነት ፍጥረታት ብዛዕባ ድንቅነት ፈጣሪኦም ይትርኹ!!

ወዲ ሰብ ኣብዛ ዓለም ንዘሎ ሕይወቱ፡ ብዝተፈራረቑ ነገራት ዝተኸበበ’ዩ። ሓጎስ ሓዘን፡ ፍርሒ ጅግንነት፡ ፍልጠት ድንቊርና፡ ሃይማኖት ክሕደት፡ ፈውሲ ሕማም… ብዙሓት ካለኦት ተቓረንቲ ነገራት ክጥቀሱ ይከኣሉ’ዮም። ነዚኣቶም እግዚኣብሔር ንሱ ብዝፈልጦ ኣምላኻዊ ምኽንያት ኣብዛ ምድሪ ከምዝህልዉ ገበረ። ኣብዚ ትኽክላዊ ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ፍልጠት ክህሉ የድሊ። ሃይማኖተኛታት ብዛዕባ እግዚኣብሔር ኣብዛ ዓለም ሽግርን ራህዋን፡ ጸልማትን ብርሃንን፡ ሞትን ሕይወትን ኣፈራሪቑ ዝሃበሉ ምኽንያት፡ ነቶም እሙናት ደቁ እትኸውን ሓቀኛን ዘይተፈራረቐን መንግስተ ኣዳልይሎም ከምዘሎ ንምስትምሃር’ዩ። ብፍላይ ንዓና ንደቂ እግዚኣብሔር እዚ ኣብዛ ሓቀኛ ሃይማኖት ዘሎ ሓቀኛ ርድኢት ክህልወና ዝግበኦ ርድኢት’ዩ። ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ደቂ ሰባት ቀይደ-በተኻዊ ኣመለኻኽታ ዝምንጩ፡ ኣብዛ ዓለም ካብ ዝኽሰቱ ነገራት ብትኽክላዊ መምዘኒኦም ካብ ዘይምርኣይ’ዩ።

ደቂ ሰባት ዕለታዊ ኣብ ከባቢኦም ንዝርእይዎም ግሩማን ፍጥረታት ካብ ክቱር ፍቕሮምን ዘለዎም ቅርበትን፡ ወይ ድማ ካብ ኣዝዩ ኣሰምባድን ኣፍራሕን ኲነትነቶም ተደሪኾም፡ ክሳብ ብስውርቲ ኢድ እግዚኣብሔር ዝተፈጥሩ ፍጡራት ምዃኖም ዝዘንግዕሉ ዘመን ኣሎ። በዚ ከኣ ሓቀኛ ስዉር መላኺ እናሃለወስ፡ ብግኡዛን ፍጥረታት ክምብርከኹ ይጅምብሩ። ሊቀ-ሰማእታት ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ነቶም ዓላውያን ኣምለኽቲ ጣዖታት ካብ ምንታይ ተበጊሶም ፍጡራን ከምልኹ ከምዝጀመሩ ክወቕሶም እንከሎ፡ “ኦ ነገሥታት መስሕታን፡ ኢትዝክሩ ስመ ዕልወት፡ ወኢይትሰምይዎሙ ኣማልክተ ለእለ ኢገብሩ ሰማየ ወምድረ። ወእምንቱሰ ይጠፍኡ ወይተኀጐሉ እምገጸ ምድር፡ ወኲሉ ዘይሰግድ ሎሙ ወይትወከል ቦሙ።”

(ገድለ ጊዮርጊስ ምዕራፍ 3) ኣንቱም ግጉያት ዝኾንኩም ነገስታት፡ ነዚ ስሕተትዚ ኣርሕቑ፡ ስመ ክሕደት’ውን ኣይትጸውዑ፡ ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ክንሶም፡ ኣማልኽቲ ኢዮም ኣይትበልዎም። ንሳቶምሲ ካብዛ ምድሪ ፈጺሞም ክጠፍኡ፡ ኲሎም’ቶም ኣብኣቶም ዝውከሉ ድማ ምስኣቶም ክጠፍኡ’ዮም። ኢሉ ነቲ ኣዝዩ ገዚፍን ኣፍራሕን ዝነበረ ዳጎናዊ ፍጥረት፡ ካብ መለኮታዊ ቊጺጽር እግዚኣብሔር ወጻኢ ከምዘይምዃኑ እንዳነገረ፡ ንሰብአ ልዳ ሓቀኛ ትውክልቶም እግዚኣብሔር ክኸውን ከምዝግበኦም ይምህሮም።

 ፍጥረታት ኣምላኽሲ ሽሕ ግዜኳ እንተሰልጠኑ፡ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዝኾንሉ ዝመን ግን ፈጺምካ የለን። ብሕጂውን ክኾኑ ኣይከኣሎምን’ዩ። ደቂ ሰባት ብኣዕይንቶም ብዝርእይዎም ኣዝዮም ኣፍራሕቲ ሌዋታውያን ፍጥረታት፡ ወይ’ውን ካብ ሕልሚ ኣባህሪሮም ድቃስ ለይቲ ዝኸልኡ ናይ ሰማይ ደንጎላታት፡ “እዚኣቶም ኣማልኽቲ ክኾኑ ኣለዎም!” ናብ ዝብል ድምዳሜ ዝበጽሕሉ ዝመን ኣሎ ክበሃሎ እንከሎ፡ ሰባት ብዘይ ደጋፍን ሓጋዝን ክነብሩ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ባዕሎም ይምስክሩ ምህላዎም’ዩ ዘረድእ። ንጉስ ነብክደነጾር፡ ነቲ ሰላማዊ ድቃስ ከሊእዎ ዝሓደረ ናይ ለይቲ ሕልሚ፡ ድሒሩ’ውን እግዚኣብሔር ብመንገዲ ነብይ ዳኒኤል ገይሩ ዝገለጸሉ፡ ኢድ ሰብ ዘይፈንቀሎ ናይ ሰማይ ደንጎሏ፡ መወዳእታ ለካ ንሱ ብዝምሰርዖ መለክዒ፡ ጣዖት ቀሪጹ ግጉይ ኣምልኾ ናብ ምፍጻም በጸሐ። (ዳኒ2፥34-35)

ደቂ ሰባት ብምኽንያት ኣፍራሕቲ ፍጥረታት ተሰቢኾም ናብዚ ነዞም ኣፍራሕቲ ፍጥረታት ዝፈጠረ ልዕሊ ኲሉ ተፈራሕን ሓቀኛን ኣምላኽ፡ ክመጹ ዝግብኦም ጌጋ ዝንባሌ ሒዞም ካብ ፈጣሪኦም ክርሕቁ ይመርጹ።  እቲ ዘገርም ነዚ ኲሉ መፍትሒ ክኾውን ብምባል፡ “ክሕግዙናን ጸግዒ ክኾኑናን ይኽእሉ’ዮም!” ብዝብል ድምዳሜኦም’ዮም ኣብዚ ዝበጽሑ፡፡ እግዚኣብሔር ብዛዕባ እግዚኣብሔርነቱን ኣምላኻዊ ባሕሪኡን ንደቂ ሰባት ንምስትምሃር ኢሉ፡ ብመንገዲ ቅዱሳኑ ገይሩ ዝህቦም ሓቀኛ ትምህርቲ ውሑድ ዘይክንሱ፡ ዓለም ግን ንቅዱሳነ እግዚኣብሔር፡ ኣብክንድቲ ዝገብርዎ መንፈሳዊ ተጋድሎ ከተመስግኖምን ክትስዕቦምን ዝግባኣ፡ በንጻሩ ብኣዝዩ ከቢድ ሰማእትነት ከምዝሓልፉ ምኽንያት ትኾኖም። ቅዱስ ሙሴ፡ “ጽሓይን ወርሕን ኣብ ክንዳይ ተተኪኦም ክይምለኹ ንሕዝበይ ኣስተምህር፡”  ተባሂሉ ክንገር እንከሎ፡ እቶም ሕዝቢ ለካ ልምዲ ምራኽ ዝሰርሕ ፈርዖናዊ ጠባይ ሕዞም ከምዝነበሩ ስለዝፈልጥ’ዩ። በንጻሩ፡ “ኣብ ማእከልኩም መታን ክነብር ብቅዱሳን ኣሳእል ዝወቀበ ቤት መቕደስ ሕነጸለይ፡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ቤት መቕደስ፡ ብቅዱሳን መላእክት ዝተኸለለ ታቦት ቅረጽ። ኣነ ድማ ንሕዝበይ ዝኸውን ሕጊ ኣብኡ ተገሊጸ ክሕብረካ፡ ንዝተጸለየ ጸሎት ድማ ክቕበሎ ኢየ።” ኢሉ ዝኣዘዘ’ውን ቤት ኣምላኽ ዘፍርሱ፡ ታቦተ እግዚኣብሔር ዘቃልሉ፡ ንቅዱሳን ዘሳድዱ ገዛእ ርእሶም ዝንእዱ ብትዕቢት ዝውጠሩ ዳታናውያንን ኣቤሮማውያንን ከምዝለዓሉ ኣቐዲሙ ስለዝፈልጥ’ዩ እግዚኣብሔር። እቲ ጸግዕን ረዳእን ዝደሊ ባሕሪ ሰባት ብፍጥረተ እግዚኣብሔር ተማሪኹም ናብ ፈጣሩ ንክውከሉ ክግደዱ ዝግበኦም፡ ፈጣሪኦም ክርስዑን ረዲኤት ንምርካብ ኣብ ግኡዛን ነገራት ሃሰውሶም ክብሉን ይጅምሩ። ነዛ በቲ ሓቀኛ ፈጣሪኣን ጓሳኣን ክትጓሰ ዝግበኣ ነፍሶም ከኣ ኣሕሊፎም ንፍጡር ይዕድልዋ፡፡

ዘጽ 20፥3፡ ዘጽ 25፥10-22፡ ዘዳ 11፥6

 ከም ካልእ ኣብነት ብቐረባ ክንዕዘቦ ብእንኽል መልክዕ’ውን ሓደ ሸነኽ ክረአ ይከኣል’ዩ። ከም ናይ’ዚ ዘመንና ፍጻሜታት፡ ኣዝዮም ደቀቕትን ንሕማምን ሞትን ዘቃልዑ ሓደገኛታትን ፍጥረታትን ክኽሰቱ እንከለዉ፡ ፡ካብ ምሒር ፍርሕን ልዕሊ መጠን ዝኾነ ስግኣትን ተበጊሶም፡ እዞም ፍጥረታት ልዕሊ ፈጣሪ፡ ኣብ ስነ-ልቦናኦም ቦታ ከምዝህልዎም ይገብሩ ደቂ ሰባት። ስለዚ ድማ ነቲ “ንኣምን በአሐዱ ኣምላክ እግዚኣብሔር ኣብ አኀዜ ኲሉ ገባሬ ሰማያት ወምድረ ዘያስተርኢ ወኢያስተርኢ። ወነኣምን በአሐዱ እግዚእ ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ አብ ዋሕድ ዘህሉው ምስሌሁ እምቅድመ ይትፈጥረ ዓለም። ወነአምን በመንፈስ ቅዱስ እግዚእ ማኅየዊ ዘሠረጸ እምአብ ንሰግድ ሎቱ ወንሴብሖ!” ዝብል ሃይማኖታዊ ግዴታዎም ረሲዖም፡ ክሳብ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእትዉዎ ይረኣዩ። ልዕሊ ኲሉ ኣብ ሕልናኦም ከስፍርዎ ዝግባእ ሓቀኛ፡ ተኣማን ኣተኣማማንን እግዚኣብሔር፡ ካልእ ፍታሕ እንተሎ ሃሰው ክብሉ ይረኣዩ። 

ፍጥረታት እግዚኣብሔርሲ ናብ እግዚኣብሔር ክወስዱ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሔር ከርሕቑ ኣይተመዘዙን። ንሳቶም ኲላቶም’ዞም ፍጥረት ናይ ባሕርይ ፍርሕን ደስታን ከመንጭዉ ኣይከኣሎምን’ዩ። 

ማለት እቶም ኣፍራሕትን ኣሐጎስትን ፍጥረታት ናብቲ፡ ብባሕሪኡ ሓቀኛ፡ ኣፍራሒትን ፈራዲትን ኢድ ዝውንን እግዚኣብሔር ዝወስዱ ክኾኑ እንከለዉ፡ ደስታታትን ሰናያትን ኣብ ዝኽሰተሉ ግዜ ድማ፡ ናብቲ ምሕረት ብምዕዳል በዓል ምንጪ ኲሉ ደስታ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝወስዱ ኢዮም፡፡ 

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ናብ ፍቕሩ እትጽጋዕ ልቢ ይዓድለና፡ ረድኤትን ጸሎትን ቅዱሳኑ ከኣ ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *