home ዕቅበተ እምነት ዶግማ (2ይ ክፋል)

ዶግማ (2ይ ክፋል)

ዶግማ

ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ ትምህርትና፣ ብዛዕባ እንታይነት እምነት ርኢና ኔርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ክፍለ ትምህርቲ ድማ ብብርኃንነት ናይቲ ኣብ ናሕሲ ሕልናና ዝተቀርጸ እምነት፣ ትግባራዊ ክርስቲያናዊ ህይወት ክህልና ብዛዕባ ዘኽእል ትምህርቲ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ኣተዂርና ክንምኃሃር ኢና። እግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣዒንተ ልቦናና ኣብሪሁ ነንብቦ ንመንግስቱ መውረሲ ንኽብሩ መወደሲ ይግበረልና። ሰናይ ናይ ንባብ ግዜ ይኹነልና።

ዶግማ ካብ ዶከይን(dokein) ካብ ዝብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝተረኽበ ኮይኑ፣ ኣመለኻኽታ፡ ኣተሓሳስባ፡ ኣዋጅ ዚብል ቀጥታዊ ትርጉም ኣለዎ። ብመሰረት ትምህርቲ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ግን ሃይማኖት ወይ መሰረተ እምነት ዚብል ምሥጢራዊ ትርጓሜ ኣለዎ። ብመሰረት እዚ ምሥጢራዊ መንፈሳዊ ትርጉም እዚ፣ ዶግማ ዝተደንገገ ዘይኮነ ዝተገልጸ እዩ። ምንጩ ድማ እግዚኣብሔር እዩ። ዶግማ ካብ ፍጡር ክርከብ ኣይክእልን እዩ። ካብ እግዚኣብሔር ጥራይ ንደቂ ሰብ ዝተዋህበ መለኮታዊ ሓቂ እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ድማ ዶግማ ብዝኾነ ኣካል (ቅዱስ ሲኖዶስ ወሲኽኻ)፡ ብዝኾነ ዘመን፡ ብዝኾነ ኩነተ ህላዌ ዘይቅየር መንነት ኣለዎ። መጽሓፍ ቅዱስ ውን፣ “ግናኸ ንሕና እኳ እንተ ዀንና ወይስ መልኣኽ ካብ ሰማይ፡ ብዘይ እዚ ንሕና ዝሰበኽናልኩም ወንጌል ካልእ ወንጌል እንተ ሰበኸልኩም፡ ንሱ ውጉዝ ይኹን።” (ገላ 1፡8) ብምባል ነዚ ሓቂ እዚ ኣጽንዖ ሂብሉ ኣሎ። ኣብዚ ጥቕሲ መላእኽቲ ዝጥዓስ ባህሪ ስለ ዘለዎም ዘይኮነ፣ ካብ ሰማይ ሰማያዊ ስልጣን ዝተዋህቦም ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትምቲያን ዝተሸሙ ኣቦታት ብመላእኽቲ መሲልዎም ከም ዘሎ መተርጉማነ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ይምህሩና(ራእ 1:20 ፣ ዮው 3፡2)።

መሰረተ እምነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ክንብል ከለና፣ ቤተ ክርስትያን ብዛዕባ ነገረ እግዚኣብሔር፡ ነገረ መላእኽቲ፡ ነገረ ቅዱሳን፡ ስለ ሰብ፡ ስለ ህይወት ዘለዎ ትምህርቲ ዝገልጽ ጥራይ ዘይኮነ፣ ምእመናን ብግብሪ ዝነብርሉ ማለት እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ ዶግማ ማለት ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሔር ዘለና እምነት ብትግባረ ንገልጸሉ መንገዲ ማለት እዩ። ስለዚ ዶግማ ኣብ ሞንጎናን እግዚኣብሔርን ዘሎ ርክብ ብጉሉሕ ዘረድእ እዩ።

ምንጪ ዶግማ ቤተ ክርስትያን ካበይ እዩ፧

መሰረት ዶግማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣስተርእዮተ (Revelation) እግዚኣብሔር እዩ። ኣብ ትምህርቲ ስነ ፍጥረት፣ እግዚኣብሔር ጸልማት ቅድሚ ብርሃን ብምፍጣር፣ ገዛእ ርእሰይ እንተ ዘይገሊጸልኩም ክትፈልጥኒን ክትረኽብኒን ኣይትኽእሉን ኢኹም ንምባል ኢዩ ኢላ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያና ከም ትምህረና፣ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንዓለም እንተ ዘይገልጽ፥ ዓለም ንእግዚኣብሔር ክትፈልጠሉ ትኽእል ዝኾነ ጥበብ የለን። ስለዚ ከምቲ ነብዪ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ 117፡26-27 “ብሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚኣብሔር። ባረክናክሙ እምቤተ እግዚኣብሔር። እግዚኣብሔር እግዚእ ኣስተርኣየ ለነ/እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፣ ካብ ቤት እግዚኣብሔር ንባርኸኩም አሎና። እግዚኣብሔርሲ ኣምላኽ እዩ። ንሱ’ውን ኣብርሃልና” ዝበሎ፣ መሰረት ዶግማ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን ኣስተርእዮተ እግዚኣብሔር እዩ። እዚ ማለት ድማ እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ብፍጥረቱ ዚገብሮ ምግላጽ እዩ። ኣብዚ ክንዝንግዖ ዘይብልና ሓቂ ኣሎ። ግብሪ እግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ዝፍለጠ እዃ እንተኮነ፡ በዚ መንገዲ እዚ ባህሪ እግዚኣብሔር ብፍጥረቱ ምሉእ ብምሉእ ክፍለጥ ፈጺሙ ኣይክኣልን እዩ። እንታይ ድኣ እንተበልና፧ ሕልናን ባህሪን ፍጡራት ክበጽሖን ክርድኦን ብዝኽእል፡ እግዚኣብሔር ንፍጡራቱ ባህሪኡ ይገልጽ እዩ ንምባል እዩ።

እግዚኣብሔር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ብዝተፈላለየ መንገዲ ንፍጥረቱ ከም ዝግለጽ እስንትንፋሰ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብግቡእ ይምህሩና እዮም። እግዚኣብሔር ንፍጥረቱ ብግብሩ ይግለጽ እዩ (መዝ 19፡1)። ብዘይካ እዚ’ውን፣ ልክዕ ከም ሓደ ሰብ ንፈታዊኡ፣ እግዚኣብሔር ንቅዱሳኑ ገጽ ንገጽ ብምዝርራብ ገዛእ ርእሱ ገሊጽሎም እዩ። ንኣብነት ንሙሴ ልዕሊ 570 ግዜ ዝኸውን ተገሊጹ ኣዘራርብዎ እዩ(ዘኁ12፡5)። ብተወሳኺ ንኣብርሃም ከም ሰለስተ ሽማግለ (ዘፍ 18፡2)፡ ንያዕቆብ ብኣምሳለ መሳልል (ዘፍ 28፡12)፡ ኢሳይያስ ብኣምሳል ኣብ ዙፋን ዝተቐመጠ ንጉስ (ኢሳ 6፡1-3) ኮይኑ ተገሊጽሎም እዩ።

እቲ ብግብሩን ብድምጹን ብዝተፈላለየ ካልእ መንገድታት ባህሪኡ ብኸፊል ንፍጥረቱ ክገልጽ ዝጸንሐ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፣ ድሕሪ ምልኣተ ዘመናት፣ ኣብ ሓድሽ ኪዳን በቲ ኣካል እም ኣካል ባህሪ እም ባህሪ ብሓደ ወዱ ብኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልኣት (ብሰብኣዊ ኣካል) ገዛእ ርእሱ ንዓለም ተገለጸ። በዚ ድማ እቲ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ናይ ነብዪ ዳዊት ቃለ ትንቢት ፈጸሞ። መጽሓፍ ቅዱስና’ውን “ኣምላኽ ብዙሕ ሳዕን ብብዙሕ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ምስ ተዛረቦም፡ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ንኣና በቲ ወራስ ኵሉ ዝገበሮ ብእኡውን ዓለም ዝፈጠረ ወዱ ገይሩ ተዛረበና።” (ዕብ1፡1-2) ብምባል ነዚ መንፈሳዊ ሓቂ ኣቐሚጡልና ኣሎ። ምንጪ ህይወትን መዝገበ ምሥጢርን ዝኾነት ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና’ውን ኣብ ስርዓተ ቅዳሴ “ቡሩክ ስሙ ለእግዚአብሔር ወቡሩክ ዘይመጽእ በስመ እግዚአብሔር” እናበልና፣ ነቲ መርዓዊኣ ዝኾነ ፈጣረ ዓለማት እግዚኣብሔር ኩሉ ግዜ ከነመስግንን ምግላጹ ከነድንቅን ትምህረና።

ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዚ ዓለም ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ኣብ ዝተገለጸሉ ሰባት ረቢ እናበሉ ይጽውዕዎ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና እዩ (ዮው 1፡38)። ረቢ ማለት መምህር ማለት እዩ። እቶም ኣብ ዝውዓሎ እናውዓሉ፣ ኣብ ዚሓደሮ እናሓደሩ ዝስዕብዎ ዝነበሩ ድማ ደቀ መዛሙርት ተባሂሎም ይጽውዑ ኔሮም። እዚ ድማ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ናይ ባህሪ ኣቡኡ ዝተላእከ፡ ፍቓደ እግዚኣብሔርን መንግስተ ሰማያት ንዓለም ዝገለጸ መለኮታዊ መምህር ከም ዝኾኑ እዩ ምሂሩና (ዮው 1፡18)። መምህርነቱ ግን ከም ናይ መምሃራን ሕግን ጻሓፍቲ ፈሪሳውያንን ዘይኮነ፥ ከም ሓደ ብዓል ስልጣን፡ ናቱ ቃል ናይ እግዚኣብሔር ቃል፡ ናቱ ስራሕ ናይ እግዚኣብሔር ስራሕ ከም ዝኾነ ንዓለም ብምምሃር እዩ (ማቴ 7፡29)። ብተወሳኺ “ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን። ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለአኸኒውን ይርእዮ። እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ። ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ። ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።”(ዮው 12፡44-46) ብምባል፣ ንሱ መልክዕን ምስልን ናይቲ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ መለኮታዊ ኣካልን መለኮታዊ ባህሪን፣ ምስኡ’ውን ሓደ ኣካልን ሓደ ባህሪን  ከም ዝኾነን ምሃረና። እዚ ድማ እቲ ዘመን ኣሕሊፉ ናብታ ዘይትሓልፍ መንግስተ ሰማያት ዘሕልፍ ዘይሓልፍ መሰረተ እምነት(ዶግማ) ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እዩ።

ናይ እምነት ጉዕዞና ጎደሎ ከይከውን፣ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቃል ጥራይ ኣይምሃረናን። ብተግባር ውን ኣርኣያ ኮይኑና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። ነዚ ድማ ንዓለም ብሓቂ ገዛእ ርእሱ ገሊጹ(ዮው 14፡6) ሓቂን ብርሃንን ከም ዝኾነ ብትግባር ምሃረና (ዮው 8፡12)። እዚ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምሃረና ትምህቲ ድማ ወንጌል ማለት ብስራት ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ናይ እግዚኣብሔር መንግስቲ ዝተባህለት መንግስተ ሰማያት ንዓለም ኩሉ ስለ ዝተገልጸትን ዝተበሰረትን እዩ። ነዚ ብስራት ድማ ኣሰረ ፍኖት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብምኽታል፣ ቅዱሳን ሓዋርያት ንዓለም ሰበኹላ (ማቴ 28፡19)። ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን በዚ ትምህርቲ ቅዱሳን ሓዋርያት ጸኒዓ ዝነበረትን ትነብርን ስለ ዝኾነት ሓዋርያዊት ትብሃል (ግብ.ሓዋ 2፡42)። እዚ ቅዱሳን ሓዋርያት ካብ ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተማህርዎ ንዓለም ድማ ዝምሃርዎ ትምህርቲ እዚ ድማ መሰረተ እምነት ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስትያን እዩ። እዚ ትምህርቲ እዚ ኩሉ ዓለም ዝድሕነሉን መንግስቲ እግዚኣብሔር ዝወርሰሉን እንኮ ሓቀኛ ቃል እዩ። ንሕና ድማ ነዚ ብማየ ክሕደት ዘይተበከለ ሓቀኛ ሓዋርያዊ ትምህርተ ቤተ ክርስትያን፣ ከምቲ ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣብ እግሪ ኣቦታት ትሕት ኢልና ብምምሃር፣ ካብ ዓይኒ ማይ እቲ ሓዋርያዊት ዝኾነት ቅድስቲ ቤተ ክርስትይና ክንምሃ መንፈሳዊ ግዴታና እዩ። እዚ ክንገብር ኣምላከ ቅዱሳን እግዚኣብሔር ብጸጋኡ ቅዱሳነ እግዚኣብሔር ድማ ብጸለቶም ይደግፉና።

ስብሃት ለእግዚኣብሄር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *