home ምክረ አበው ፍቅሪ ድንግል ማርያም ኣብ ልብኩም ጸኒዑ ይንበር።

ፍቅሪ ድንግል ማርያም ኣብ ልብኩም ጸኒዑ ይንበር።

  በስመ ኣብ ወወልድ ውመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣማላክ ኣሜን!

      ሊቅን ጻድቅን ካብ ዝኾኑ ቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ ዘኤርትራ፡ ዝተረኽበ ኣባታዊ ምኽሪ እዩ።  ቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ ካብቶም ዓበይቲ ገዳማት ቅድስት ሃገርና ኤርትራ ዝመስረቱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ንዕቅበተ እምነት፡ እግዚኣብሔር ንምስማር፡ጽድቅን ትሩፋትን ንምኽዕባት ዘሕለፍዎ ገድሊ ብሰፊሕ ከነቅርቦ ምዃና እናሓበርና፡  ዝመስረትዎ ገዳም ተደኲንሉ ዝርከብ ቅርጺ መሬት ኣገዳሲ ብምዃኑ ተጠማትን ሰሓብን ይገብሮ። እዚ ድማ ብኣና ብኤርትራውያንን፡ጎሮባብቲ ሃገርና ጥራይ ዘይኮነስ ፡ ቅርጺ መሬት ገዳም ደብረ ቢዘንን፡ቅድስና ኣቡነ ፍሊጶስን ግዱሳት ናይ ታሪኽ ጸሓፍቲ ዓለምና   ውን ኣስተንክሮ ዝኾኖም ብዙኃት እዮም። ቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ ብዝነበሮም ሓዋርያዊ ኣገልጉሎት ንእግዚኣብሔር ኣብ ልበ ምእመናን ዝሰኣሉ፡ ብዝነበሮም ሰናይ ኣርኣያ ድማ ኣብ ልቢ ምእመናን ፍሉይ ቦታን ፍቅርን ዝነበሮም ቅዱስ ኣቦ እዮም።ሎሚ’ውን ክብረ በዓሎም ንምስታፍ ከም ውሑጅ ብዝውሕዝ ንእሽቶይ ይኹን ዓቢይ“ብተሎምዶኣዊ ኣጸዋውዓ ፊልቆስ(ፍሊጶስ)  ኣቦይ” እናተባህሉ “ዝመሓለሎም” ልቢ ሕዝቢ ዝሰፈሮም ንኡድን ክቡርን ኣቦ እዮም፦ አቡነ ፊልጶስ አንዳዴ ባሕር! ኣብ መጀመርታ ፲ ፬(14) ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ጽሞናን ንጽሕናን፤ ፍቕርን ጥብዓትን፤ ገድልን ጽንዓትን ዝመለለዪኦም ኣቦ፡ ኣብ ማእከላይ ዘመን ታሪኽ ሃገርና ብዙኅ ኣገዳሲ ሐዋርያዊ ሥራሓት ዝፈጸሙ፡ ኣሰር ቅዱሳን ዝዀልዑን፤ ንካልኦት ብዙኃን ቅዱሳን መገዲ ዝጸረጉ ብርሃን ኤርትራ እዮም። ንሕገ ሃይማኖትን ንቃለ እግዚአብሔር፡ ርትዕት ሃይማኖት ኣቦታት ብተጋድሎኦም ዘጽንዑን ኣቦ እዮም ።ቅዱስ ኣቦና ንደቆም ብዙኅ ንሕይወት ምንኵስና ዘገልግሎም ምዕዶን ምኽርን በብእዋኑ እናሃቡ፤ ንዝደኸሙ እናበርትዑ፤ ነቶም ዝበርትዑ ድማ ዝያዳ ክጸንዑን ጸጋ ዲበ ጸጋ ክዓብዩ ከምዘለዎም እናመኸሩ ይነብሩ ነይሮም። ብፍሉይ ድማ ብሃይማኖት ክጸንዑን ክጋደሉን፡ ትሕትና፡ ፍቅረ ቢጽ (ንኃውኻ ከም ነፍስኻ ምፍቓር) ክህልዎምን፡ ትዕግሥቲ ድማ ኣጽኒዖም ክሕዙ፡በደል ኣኅዋቶም ድማ ብልቦም ይቕረ ክብሉን ሕደገት ክገብሩን ይነግርዎም ነበሩ። ቅዱስ ኣቡነ ፊልጶስ ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ፤ ብፍላይ ከኣ ድኅሪ ምእንቲ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ዝገበርዎ ኣድካሚ ጉዕዞን ተጋድሎን፤ ናብ ገዳሞም ምስ ተመልሱ ከም’ቲ ልማዶም ኣብ ጽኑዕ ጾምን ጸሎትን ተጸምዱ።  እቲ ናብ እግዚኣብሔር ዝኸድሉ ሰማያዊ ጉዕዞ ከምዝኣኸለ ፈሊጦም ከኣ ንደቆም ኣበርቲዖም ክምዕድዎምን ክመኽርዎምን ጀመሩ። ካብቶም ፍሉያት ምዕዶታቶም ከኣ “ሕግጋት ቅዱሳት መጻሕፍትን ትእዛዝ እግዚአብሔርን ሓልዉ፡ ንክልቲአን ሰናብቲ ማዕረ ኣኽብርወን፤ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ብዝግባእ ኣኽብሩ፤ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ኣጽንዑ፤ ዝምሕርን ዝቐትልን ሓደ ንሱ ኣምላኽ እምበር ሰብ ኣይኮነን፤ ክትድቅሱን ክትንሥኡን ከሎኹም፤ ክትከዱን ክትወፍሩን፤ ክትጽልዩን ክትእከቡን ከሎኹም ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልብኹም ፀኒዑ ይንበር፤ ክትበልዑን ክትሰትዩን ካብ ክፉእ ነገር ምእንቲ ክትሕልወኩም ስም ናይ ኣዴና ቅድስት ማርያም ምዝካር ኣይትረስዑ…” ዝብል ይርከቦ። ቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ እግዚኣብሔር መንፈስ ቅዱስ ብዘለበሞም ቅዱሳት መጻሕፍት ኣብ ምማሃርን ምስትምሃርን፡ ምትርጓምን ምምሥጣርን ጸጋ ስለ ከም ዝነበሮም ታሪኾም ይገልጽ፡ ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን  ዘሎ ናይ ቅዱሳት መጻሕፍት መንበር ውን ህያው ምስክር እዩ። ንእግዚኣብሔር ከም ኣቡኡ ተቀቢሉ፡ ንቅድስት ድንግል ማርያም ከም ኣዲኡ፡ ዘይተቀበለን ዘይፍቅርን ዋጋ ከም ዘይብሉ ስለ እተረድኡ፡ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም  ኣዝዮም ይፈትዉዋን የፍቅርዋን ነበሩ እሞ፡ ንደቆም ውን ከም ናቶም ከፍቅርዋን ከኽብርዋን ተማሕጸንዎም። ንሕና ውን ብመንፈስ ሓረገ ትውልድና ካብኦም ስለ ዝኾና ፍቅሪ ድንግል ኣብ ልብና ተቀሪጹ፡ከነፍቅራ ከነኽብራ፡ንጽሕት ቅድስት እመ ብርሃን እናበልና ወዳ ብዝሃባ ክብርን ሞጎስን ከነመስግና ይግብኣና። ሓጢኣት ብዝውለደቶም ክሕደትን፡ኑፋቄን ዘመና ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለና ፍቅሪ ንምጉዳልን፡ምቁንጻብን ብዙሕ ኑፋቄ ኣብ ዝዝርኣሉ ግዜ ስለ ዘለና፡ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ፍሊጶስ በመንፈስ ነዚ ተመልኪቶም ንግዜኡ ንደቆም እኳ እንተኾነ፡ንቀጻልነቱ ብመንፈስ ካብኦም ሓረገ ትውልዲ ንዘለና ደቆም ውን ክትጽልዩን ክትእከቡን ከሎኹም ፍቕሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልብኹም ፀኒዑ ይንበር፤ ክትበልዑን ክትሰትዩን ካብ ክፉእ ነገር ምእንቲ ክትሕልወኩም ስም ናይ ኣዴና ቅድስት ማርያም ምዝካር ኣይትረስዑ…”  ብምባል ይመኽሩና። ጸሎትን በረኸትን ናይ አቡነ ፊልጶስን ናይ ኵሎም ቅዱሳን አበው ዘደብረ ቢዘን ምስ ኵላትና ይኹን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል

 ወለወላዲቱ ድንግል

 ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *