“ልግስ በል ዝወደይ!!”

ብጹእ ወቅዱስ አቡነ ያዕቆብ በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ ኣሜን! ዝኸበርኩም ህዝበ ክርስቲያን “ምክረ ሠናያት ለኲሉ ዘይገብራ” ከም ዝበለ ልበ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት፡ ምኽሪ ልብ ኢሉ ብምስትውዓል ንዘተግብራ ዓቢ መንፈሳዊ ጠቀሜታ ኣለዋ። ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ፍጻሜ ልግስ በል ዝወደይ ኣብ ዝተበሃለሉ ኣጋጣሚ ዝተኸስተ ተኣምር እዩ። ኩሉ ግዜ ናይ ሥጋን መንፈስን ኣቦታትና ዝህቡና ምኽሪ …

ፍቕረ-እግዚአብሔር

8ይን-መወዳእታን ክፋል በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! (ማቴ.፭፥፵፫- ፵፰ – 5፥43-48) ( 1ዮሐ.፩፥፱-፲፩- 1፥9-11 ) እግዚአብሔር ብፍቕሩን ረዲኤቱን ክረድእና ክብል ዘይተጠቐመሉ ሜላስ እንታይ ይህሉ፧ ካብ ሰብ ኴንካ መከራ መስቀል ቀሚስካ፡ ክሳብ ሞት በጃ ሰባት ካብ ምዃን ንላዕልስ፡ ካልእ ጥበብ እንታይ ክህሉ ይኽእል፧ እምበርከ ፈጣሪ ፍቕሩ ንምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ውቅያኖሳት ዝርከብ ኣዝዩ …

“ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት በቂዐ’የ ኣይትበል”!!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን! ኣብ ሓደ ገዳም ዝነብር መነኮስ ነበረ።ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ምስ ኣበ ምኔት ናይቲ ገዳም ስለ መንፈሳዊ ሕይወት እናልዓሉ ይዘራረቡ ነበሩ። እቲ መነኮስ ነቶም ኣበ ምኔት “ኣቦና ኣነ ሎሚ ናይ ዓለም ክፍኣትን ሓጢኣትን ከምይ ምዃኑ ተገሊጹለይ ብራኢ ርእየዮ፣በቂዐ ማለት ድዩ፧” ክብል ሓተቶም። እቶም ኣበ ምኔት ድማ “ወደየ እስኪ …

ፍቕረ-እግዚአብሔር!

7ይ-ክፋል በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ወዲ ሰብ ብምኽርን መንቅን ሰይጣን ናይ ባህርይ ኣምላኽ ክኸውን ሓሊኑ፡ ኣይተኻእሎን። እግዚአብሔር ግን ካብ መለኮታዊ ፍቕሩ ዝተላዕለ ብምኽሩን ጥበቡን፡ ሰብ ክኸውን ሓሰበ። ዝዓገቶ’ውን የለን። ካብ ድቂ ኴንካ ኣብ ማሕጸን ምውሳን፡ ክሳብ መንእሰይ ኴንካ ኣብ መስቀል ንምዃን ከልካሊ ኣይረኸበን። እረ ዝደፍራ ስኢና ዝነበረት ሲኦል’ውን ከይተረፈ፡ ካብ ባህርይና ወሲዱ …

ኪዳነ-ምሕረት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ሎም ሓሙስ ፲፮ 16 ሓምለ ኪዳነ ምሕረት እዩ።ወርሒ መጸ ዕለት 16 ብኣቆጻጽራ ቤተ ክርስቲያን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምሕረት ደቂ ሰባት ኪዳን ዝተወሃበትሉ ዕለት ከም ዝኾነ ይዝከር። “ወታስተስርዩ ኃጢአተ-ሕዝብኪ፡ በከመ ተበውኃ ለኪ እምአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።” ከም ዝብል ቅዱስ ያሬድ በቲ ካብ ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስ ዝተወሃበኪ …

ፍቅረ-እግዚአብሔር!

6ይ-ክፋል በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! “ናሁ ኣዳም ኮነ አሐደ እምኔነ!” እዚ ቃለ ተስፋ’ዚ ንኣዳም ርእሱ ዝኸኣለ ስንቅን ፍቕርን እግዚአብሔር ኴኑ’ዩ ን5500 ዘመናት ኣጽኒሕዎ። ዘፍ3፥16-19 ቀሌ3፥17-21 ሮሜ1፥20 እዛ ንኣዳም ዝተዋህበት ናይ ድሕነት ብስራት ድማ፡ ዕለተ-ፍጻሜኣ ምስ ኣኸለ፡ ብልሳነ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ፡ ንድግል ማርያም ተዋህበ። ንኣዳም ዝተበሰሮ ብስራት ጽላሎት፡ ድንግል ዝተበሰረቶ ግን ፍጻሜ …

“ብርሃናተ ዓለም ጴጥሮስ ወጳውሎስ”

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን! ሰላመ እግዚአብሔር ምሳኻትኩም ይኹን ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ፡ ኣኣብ ዘለኹሞ ሰላምን ጥዕናን ንምነየልኩም። ርሑስ ኣውደኣመት ይግበረልና። ብምቅጻል ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና ብዓቢይ ክብሪ ካብ ዝዝከሩን ዝበዓሉን በዓላት፡ ዕለት ፭/5 ሓምሌ ብምኽንያት ዕረፍቲ ብርሃናተ ዓለም፡ ኣዕማደ ቤተ ክርስቲያን፡ ወሰማዕተ ጽድቅ ሊቀ ሓዋርያት ጴጥሮስን ቅዱስ ጳውሎስን እዩ። በረኸቶም የካፍለና!! እዞም …

ፍቕረ-እግዚአብሔር!

5ይ-ክፋል በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን! ኣዳምን ሔዋንን ሸውዓተ ዓመታት ኣብ ሑቕፈ ፈጣሪ፡ ብጣዕመ መኣዛ ገነት ክሟሙቑ ዘኽኣሎም፡ ሕልፊ ፍቕሩን ሓልዮቱን ስለዝሓለዉ’ዮም። ነዛ ሕጊ እዚአ ኽሕልዉ ዘኽኣሎም ድማ፡ ተመራሚሮም ስለዝተረድእዋ ዘይኮነስ፡ ባዕሉ እግዚአብሔር ፍቓዱን ፍታውን ብዝገለጸሎም መሰረት፡ ንፈጣሪኦም ዘቘጥዕን ዘሐጒስን ማምዮም ይፈልጡ ስለዝነበሩ ኢዮም። ሮሜ7፥21-25 1ቆሮ1፥21-22 ስለዚ “እዚ ፍልጠት’ዚ ኣብ ደቂ ሰባት …

ናይ ትማሊ ታሪኽ ዘይብሉ ጻድቅ፡ ናይ ጽባሕ ተስፋ ዘይብሉ ሐጢኣተኛ የሎን።

(ቅዱስ ኣውግስጢኖስ) በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን! ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ኣኣብ ዘለኽሞ ሰላም ክትህልዉ ናይ ወትሩ መንፈሳዊ ድሌትና ክኸውን ከሎ፣ ኣብ መንፈሳዊ ሕይወትኩምን/ሕይወትናን ብርትዐን ዕቤትን፡ብእግዚኣብሔር ዝእመኑ ትስፍዋት ክትኮኑን ክንከውንን ናይ ወትሩ መንፈሳዊ ሃረርታና እዩ። እምብኣር ሎሚ ውን ከም ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ፡ “ናይ ትማሊ ታሪኽ ዘይብሉ ጻድቅ፡ናይ ጽባሕ ተስፋ ዘይብሉ …