ሓዋርያዊ ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ዕዉት ናይ ስራሕ ብምጻሕ ተመሊሶም

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ንኣስታት ሓደ ወርሒ ዝጸንሐ ሓዋርያዊ ዑደቱ ዛዚሙ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኤርትራ ንክምለስ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ለንደን ካብ ሠለስቲኤን ኣብያተ ክርስቲያን ኣብ ከተማ ለንደን ዝርከባ ብዝተወከሉ ናይ ምፍናው መደብ ተጌሩሉ። ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝጸንሓሉ …

ዑደት ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሠለስተ ኣብያተ ክርስቲያን

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ከም መርኣያ ናይቲ ሓዋርያዊ ተልእኮኦም ኣብ ከተማ ለንደን ናብ ዝርከባ ዓበይቲ ኣብያተ ክርስቲያን ናይ ምብጻሕ ዑደት ኣካይዶም። ሰንበት ፪ ታኅሣሥ ናብታ ካብ እትምሥረት ልዕሊ ፴ ዓመታት ዝገበረት ደብረ ሳኅል ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ሓዋርያዊ ዑደቶም ጀሚሮም። ነቲ ኣብ መንጎ ኣገልገልቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ንምዝዛም ኣብ ቀጽሪ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ደብረ …

ዕዉት ምጅማር ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ዓባይ ብርጣንያ

ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ዝምራሕ ሎሚ ኣብ ከተማ ለንደን ቀጽሪ ደብረ መድኃኒት ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ንልዕሊ 150 ዝኾኑ ውሉደ ክህነት ዝጥርንፍ ኣኼባ ተጌሩ ውዒሉ። ናይዚ ጉባኤ ቀንዲ ዕላምኡ ነቲ ኣብ መንጎ ኣብያተ ክርስቲያን ኣገልገልቲ ዝነበረ ፍልልይ ብዕርቂ ሰላም ተዛዚሙ ብኅብረት ኮይኖም ምእንቲ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ዘገልግልሉ መድረኽ ንምፍጣር ዝዓለመ ስለ ዝነበረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ …

ልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ንሓዋርያዊ ዑደት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም

በስመ ኣብ ወወልደ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ! ብቅዱስ ሲኖዶስ ኤርትራ ዝተላእኩ ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ዝኾኑ ብጹዕ ኣቡነ ሉቃስ ምስ ዲያቆን ግርማይ ነቲ ኣብ ሃገረ ስብከት ኣመሪካን ካናዳን ዝነበሮም ዑደት ብሰላም ዛዚሞም፣ዕለት ፳፰ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም፡ ከባቢ ሰዓት ትሸዓተ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ለንደን (London He  athrow) ብሰላም ኣትዮም። እታ ንብዙሕ ግዜ ብብዙሕ መገዲ ክትእቶ …

ኅዳር ጽዮን ኣብ ከተማ ዞሊንገን ተኸቢሩ ውዒሉ

  ማኅበር ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም — ጀርመን መበል6ይ ዓመታዊ በዓል ካብ ዕ ለት 3—4 ታሕሳስ 2016 ቀዳምን ሰንበትን ( ፳፬—፳፭ ኅዳር ፳፻፱ ዓ.ም) ኣብ ከተማ ዞሊንገን ብክብ ዝበለ ድምቀት ተኸቢሩ ውዒሉ። ኣብቲ ” ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ይዘዉር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ: ንቅሑ ።”ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝተኸብረ በዓል: ብብዝሒ መንእሰያት …

ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ጉባኤ ተኻይዱ

ብዕለት ፲፫ ጥቅምቲ ፳፻፱ ዓ.ም. (23-10-2016 ዓ.ም) ዓመታዊ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ከተማ ፓሪስ እትርከብ ኣብ ማኅበር መድኃኔ ዓለም ተኻይዱ። ነዚ ኣኼባውን ሕግዊነት ክህልዎን ብቃል ኣዋዲ ሰንሰለታዊ ሥርዓቱ ሒዙ ኽኸይድን ጉባኤ ንክመርሕዎ ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ተረኺቦም ኔሮም። ኣብዚ ኣኼባ እዋናውያን ዝኾኑ ህሉው ኩነታት ቤተ ክርስቲያን መግለጺን መረዳእታን …

ኣብ ሃገረ ፊንላንድ ሓፈሻዊ ጉባኤ ተኻይዱ

ብዕለት ፲፬ መስከረም ፳፻፱ ዓ.ም (24.9.2016 ዓ.ም) ዓመታዊ ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም መድኃኔ ዓለም ኣብ ሃገረ ፊንላንድ ኣብ ሄልሲንኪ ከተማ ተኻይዱ። ነዚ ኣኼባውን ሕግዊነት ክህልዎን ብቃል ኣዋዲ ሰንሰለታዊ ሥርዓቱ ሒዙ ኽኸይድን ጉባኤ ክመርሕዎን ቀሺ ዘርእሠናይ ቀሺ ሰሎሞን ኣቦ ወንበር ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ከምኡውን ቀሺ ዮሴፍ መርሃጽዮን ጸሓፊ ሃገረ …